ዱግናድ (ወፈራ ዝግበር ስራሕ)
ነዛ ፊልም ርኣያ
ዱግናድ (ወፈራ ዝግበር ስራሕ)
ብዱግናድ ዝግበር ስራሕ ብዘይ ክፍሊት ዝስራሕ’ዩ። እቲ ብዱግናድ ዝግበር ስራሕ ብሓባር ዝካየድ’ዩ። ብዱግናድ ዝግበር ስራሕ ኣብ ጕጅለታት ኰነ ኣብ ማሕበራት ልሙድ’ዩ። ንኣብነት ብማሕበር ኣብ ዝውነን መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ እዋን ጽድያ፡ ድሕሪ ናይ ክረምቲ እዋን እቶም ነበርቲ ብሓባር ከባቢኦም ጽፉፍ ንምግባር ብዱግናድ ዝግበር ስራሕ ይሳተፉ እዮም። ኣብ ሓያሎ መውዓሊ ሕጻናት ወለዲ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ወይ ብርክት ዝበለ ግዜ ብዱግናድ ንምስራሕ ይእከቡ እዮም። ምናልባት መጻወትታት ምሕጻብ የድልዮ ይኸውን፡ ወይ ኣብ ግዳም ዝርከብ ቦታታት ንምጽጋን።
ብዙሓት ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ቈልዑ ኣብ ዝተወደበ ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈታት ይካፈሉ እዮም። መብዛሕትኡ’ቲ ንጥፈታት ከኣ በቶም ወለዲ ብወለንታ ብዝግበር ስራሕ’ዩ ዝምራሕ። ንኣብነት ወለዲ ነቲ ማሕበር ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ሎፐማርኬድ (መሸጣ ኣቕሑ/ክዳን ካብ ገዛ ገዛ ዝተኣከበ) ምድላው ወይ ባህላዊ መደባት ከዳልው ይኽእሉ።
ብዱግናድ ኣብ ኖርወይ ልሙድ’ዩ። እቶም ዝብዝሑ ኣብ ዓለም ሓረስቶት ሕብረተሰብ ተመሳሳሊ ልምዲ ኣሎዎም።
ኣብ 2004 እታ ዱግናድ ትብል ቃል ናይቲ ዓመት ሃገራዊት ቃል ኖርወይ ተረቝሓ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ብዛዕባ ዱግናድ እንታይ ይስምዓካ፧ ብዛዕባ ዱግናድ ኣቐዲምካ ትፈልጥ ኔርካዶ፧
- ኣብ ኖርወይ ብዱግናድ ኣብ ዝግበር ስራሕ ንምስታፍ ተዓዲምካ ትፈልጥዶ፧
- ገለ ጕጅለታትን ማሕበራትን ኣብ ክንዲ ዱግናድ ስራሕ ትሳተፍ ዝተወሰነ ገንዘብ ክትከፍል ዘኽእለካ ኣሰራርሓ ኣሎወን። ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብል፧
ሰኑይ መዓልቲ’ዩ። ክልተ ኣቦታት ንደቆም ክወስዱ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ተራኺቦም። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብቲ መውዓሊ ሕጻናት ዝነበረ ዱግናድ ስራሕ ተዛራሪቦም።
ሄንሪክ፡ እንደገና ምርኻብና ደስ ይብለኒ! ኣዝዩ ብዙሕ ኢና ኣሳሊጥና ኣብቲ ናይ ዱግናድ ስራሕ። እቲ ሓድሽ መጻወቲ ክፍሊ ቈልዑ ኣዝዩ ጽቡቕ ኮይኑ!
ኣርነ፡ እወ፡ ብኸምዚ መንገዲ ሓቢርካ ምዕያይ ጽቡቕ’ዩ። ወለዲ ትሩልስ ግን ዱግናድ ስራሕ ክህሉ ኸሎ ፈጺሞም ኣይመጽኡን’ዮም።
ሄንሪክ፡ ኣነ’ውን ነዚ ኣስተብሂለሉ’ለኹ። ሽሕ’ኳ ብዱግናድ ዝግበር ስራሕ ብድሌት እንተዀነ ከምዚ ምግባር ጽቡቕ ኣይኮነን።
ኣርነ፡ እወ። ሓደ ሓደ እዋን ክጥዕም ከም ዝይክእል ዝርድኣኒ’ኳ እንተዀነ ኵሉ ሳዕ ክኸውን ከሎ ግን እንድዒ . . .፧
ሄንሪክ፡ ህምም። ትሩልስ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ቈልዑ ነቲ መጻወቲ ክፍሊ ከም ዝጥቀመሉ ርግጸኛ እየ።
- ብዛዕባ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኵነታት ተዘራረቡ። ስለምንታይ እዮም ሄንሪክን ኣርነን ከምዚ ዓይነት መልሰትግባር ዘርእዩ ዘለው፧
ኣብ ዱግናድ ዘይምስታፍ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል ይመስለካ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ብወፈራ ዝፍጸም ስራሕ እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ብወፈራ ልሙዳት ዝትግበሩ ስራሓት እንታይ እዮም፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ከም ልሙድ ብወፈራ ዝግበር ስራሕ ዘዳልዎ መን'ዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ብወፈራ ወለንታዊ ስራሕ ብፍላይ ልምዲ ኣብ ኖርወይ ድዩ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ስእሊ ምረጽ
ኣየናይ ኣሳእል'ዩ ብወፈራ ንዝፍጸም ዕማም ዘርኢ፧ ብዙሕ መልስታት ምሃብ ይከኣል እዩ።