ማሕበራዊ መራኸብታትን ዲጂታላዊ ፍርድን
ነዛ ፊልም ርኣያ
ማሕበራዊ መራኸብታትን ዲጂታላዊ ፍርድን
ኣብዚ ግዜና መብዛሕትኦም ንጡፋት ሰባት ተጠቀምቲ ኢንተርኔትን ማሕበራዊ መራኸብታትን’ዮም። ብኢንተርኔት ኣቢልና ናብ ባንክታትን መንግስታዊ ትካላትን ንኣቱ፡ ብኢንተርኔት ዕድጊ ንፍጽም። ባንክኢደ፡ ፓስዎርድ፡ ኣሰር ኣጻብዕቲ ወይ መለለዪ ገጽና ብምጥቃም መንነትና ነፍልጥ።
ማሕበራዊ መራኸብታት ዝብሃሉ ንኣብነት ፈይስቡክ፡ ቲክቶክን ኢንስታግራምን እዮም። ኣብዚ ርእይቶታትናን ስእልታትናን ፊልምታትናን ነካፍል። ብኸምዚ መንገዲ ምስ ስድራቤትናን ፈተውትናን ንፈልጦም ሰባትን ንራኸብ። ኣብ ምሉእ መዓልቲ ብዙሕ ኤለትሮኒካዊ ኣሰራት ንገድፍ፡ እዚ ዅሉ ኣሰራት ድማ ይኽዘን እዩ። እዞም ኣሰራት እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ገለ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘይብሎም ሰባት እንተ ወዲቖም እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሓሲብካሉ ትፈልጥዶ፧ ሓደ ሰብ ነቲ ፓስዎርድኻ እንተ ረኺቡዎኸ፧ ገለ ሰባት ናይ ብሕቲ ስእልኻ ብዘይ ፍቓድካ እንተ ኣካፈሉዎኸ፧
እንታይ ከም ተካፍል፡ መን ብዛዕባኻ ሓበሬታ ከም ዝረክብን እዚ ሓበሬታ’ዚ ንምንታይ ከም ዘገልግልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ከም ናይ ቈልዑ ስእሊ ዝኣመሰለ ናይ ብሕቲ ስእልታት ሓደ ንሕማቕ ክጥቀመሉ ዝደሊ ሰብ ቀልጢፉ “ክሰርቆ” ይኽእል’ዩ። እቲ ብዛዕባ ካልኦት ነካፍሎ ነገራት’ውን ክንጥንቀቐሉ ኣለና። ኣቐዲምካ ፍቓድ ምሕታት ጽቡቕ’ዩ ።
- ብሕታውነት ምዕቃብ ማለት መሰል ብሕታዊ ህይወት ምህላውን ኣብ ልዕሊ ብሕታዊ ሓበሬታኻ ባዕልኻ ምውሳንን ማለት እዩ። ብሕታዊ ሓበሬታት ዝብሃሉ ንኣብነት ስም፡ ኣድራሻ፡ ቁጽሪ ቴሌፎን፡ ፍሉይ መለለዪ ቁጽሪን መበቆላዊ ብሄርን ክኾኑ ይኽእሉ።
- ኩላቶም ሰባት ዘይጥሓስ ናይ ገዛእ ርእሶም ክብሪ ኣሎዎም። ስለዚ ከም ውልቀሰብ መጠን ንስኻ ባዕልኻ ትቈጻጸሮ ብሕታዊ መዳይ ኣሎካ። መንግስቲ ወይ ከኣ ካልኦት ሰባት ከየገደዱኻ ወይ ጣልቃ ከይእተዉኻ ብዘይ ስክፍታ ዘድልየካ ስጕምቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። እዚ መሰረታዊ መትከላት’ዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ (EMK) ዝተሰረተ እዩ።
ምንጪ ፦ በዓል ስልጣን ምክትታል ሓበሬታ
ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኮነ ወይ ብኢንተርኔት ርእይቶኦም የካፍሉ እዮም። ብጽሑፍ ክትመያየጥን ክትካታዕን ይክኣል እዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ናጻ ፕረስ ዓቢ ናይ ምዝራብ ናጽነት ኣሎ። ሓሳባትካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ግን ብመንገዲ ብሕታውነትን ገለ ሕጋዊ ዓንቀጻትን ቀይድታት ኣሎዎ። ዓሌታዊ ወይ ናይ ኣድልዎ ትሕዝቶ ዘሎዎ ዘረባ ክትጽሕፍ ኣይትኽእልን ኢኻ። ይኹን’ምበር ሰባት ነዚ ዶባት’ዚ ክጥሕሱዎ ንርኢ ኢና።
ካብቲ ምስ ዝኾነ ሰብ ፊት ንፊት ክትዘራረብ ብኢንተርኔት ክትጽሕፍ ከለኻ ነቲ መስመር ክትጥሕሶ ዝቐለለ ኮይኑ ክርአ ይኽእል። ብፍላይ መንነትካ ሓቢእካ ክትጽሕፍ ከለኻ ብዙሕ ናይ ደገፍን ዘይሕጋዊ ዝዀነ ነገራትን ይጽሓፍ’ዩ። ልክዕ ከምቲ ምስ ገለ ሰባት ፊት ንፊት ክትዛረብ ከለኻ ትብሎ፡ ነቲ ኣብ ኢንተርኔት ትህቦ ርእይቶ’ውን ብግቡእ ምጽሓፉ ሓደ ናይ ዲጂታላዊ ፍርዳዊ ምምዝዛን ምልክት እዩ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብ ኢንተርኔት ብዛዕባ ነብስኻ ክትፍትሽ ከለኻ እንታይ ትርኢ፧
- ዲጂታላዊ ፍርዳዊ ምምዝዛን እንታይ ማለት ምዃኑ ተመያየጡ።
- ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ብሕታውነትን ዲጂታላዊ ፍርዳዊ ምምዝዛንን ዘሎ ርክብ ተዘራረቡ።
- ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ትጽሕፉዎ ነገራት ዘሎኩም ርድኢት ዝህልዎ ኣገዳስነት ብሓባር ተዘራረቡ።
- መንነትካ ከይገለጽካ ኣብ ዓምዲ ርእይቶ ምጽሓፍ እንታይ ሳዕቤን ዘሎዎ ይመስለካ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ናይ ካልኦት ሰባት ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንኽተውጽኦ ፍቓድ ክትሓትት ኣለካ ድዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኢንተርኔት ክትጽሕፎ ዘይትኽእል እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
መለለዪ ጽቡቕ ዲጂታላዊ ናይ ምምዛን ክእለት ምልክት እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
መሰል ብሕታዊ ህይወት ምኽባር እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧