ጥዕናን ኣነባብራ ህይወት
ነዛ ፊልም ርኣያ
ጥዕናን ኣነባብራ ህይወት
ታሪኻዊ ምዕባለ
ሎሚ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ደረጃ መነባብሮ ልዑል’ዩ። ንሓያሎ ከበድቲ ሕማማት ዝኸውን መድሃኒት ኣሎ፡ ኵሉ ሰብ ሕክምናዊ ክንክንን መድሃኒትን ምእንቲ ክረክብ ድማ እቲ ሃገራዊ ማሕበራዊ ውሕስነት መስርሕ ኣሎዎ። ቈልዑ ጸረ ዝተፈላለየ ሕማማት ናጻ ክታበት ዕድል ይወሃቦም’ዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኖርወይ ከም ሳዕቤን ድኽነት ንኣብነት ጕድለት ምግቢ ወይ ብሰንኪ ዓባይ ሰዓል ብዙሓት ሰባት ሞይቶም’ዮም። ብዙሓት’ውን ሕክምና ክረኸቡ ስለ ዘይከኣሉ ሞይቶም።
ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ኣብ ኖርወይ ዘሎ ጥዕና ህዝቢ ኣጸቢቑ ተመሓዪሹ እዩ። ብዓቢኡ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እቲ ማሕበራዊ ውሕስነት ስለ ዝማዕበለን ንብዙሓት ድማ ጽቡቕን ድሕነትን ዘሎዎ ናብራ ንኽነብሩ ዝሓሸ ዕድላት ስለ ዝኸፍተሎምን እዩ። ሎሚ ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝነውሐ ዕድመ እዮም ዝነብሩ። ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት’ውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸ ጥዕና ኣሎዎም። እዚ ኸኣ ነዊሕ፡ ጽቡቕን ንጡፍን ህይወት ንኽነብሩ ዕድላት ይህቦም።
ከምዚ ክብሃል ከሎ ግን ኖርወይ ሕማም ዘይብሉ ሕብረተሰብ’ዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት ብዙሓት ብሰንኪ ቃንዛ ናይ ጭዋዳታትን ኣዕጽምትን ይሳቐዩ እዮም። ሽኮርያን ምኽራሽን (ህጥራን) ድማ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም’ዩ። ኣብ ኖርወይ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ሕማማት ልቢን - መትነልቢን መንሽሮን’ዩ።
ካብ ጥዕናዊ ጸገማት ከየጋጠመካ ምክልኻል
ማዕረ ክንደይ ጽቡቕ ጥዕና ኣሎና ምስ መነባብሮና ክተሓሓዝ ዝኽእል’ዩ። እዚ ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናና ዝምልከት’ዩ። ጥዑይ ምግቢ እንተ በሊዕናን ኣካላዊ ምውስዋስ እንተ ጌርናን ንነዊሕ እዋን ጥዑያት ኴንና ክንጸንሕ ዓቢ ዕድል ኣሎና። እቶም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ሕማም መትነ-ልቢን መንሽሮን ከጋጥሞም ዘሎ ዕድል ዓቢ እዩ።
ሽሕ’ኳ እቲ ማሕበራዊ ውሕስነት ነቶም ነበርቲ ጽቡቕ ጥዕና ንኽህልዎም ዓቢ ሓላፍነት ዝስከም’ኳ እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቲ ውልቀሰብ ብኸመይ ህይወቱ ከም ዝመርሕን ጥዕናኡ ከም ዝከናኸንን’ውን ሓላፍነት ኣሎዎ።
ኣእምሮኣዊ ጥዕና ማዕረ’ቲ ኣካላዊ ጥዕና ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ምስ ሰባት ማሕበራዊ ርክብ ኣሎዎም እንተዀይኑ ጽቡቕ ዕግበት ይስምዖም። እዚ ኣብ ስድራቤት ብሓባር ምንባር፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ምጥራይ ወይ ጥዑያት መሳርሕቲ ምህላው ክኸውን ይኽእል። ኣብ ኣእምሮኻ ጽቡቕ ምሕሳብ፡ ውሽጣዊ ርግኣት ምህላው፡ ጽቡቕ ድቃስ ምድቃስን ብሓፈሽኡ ጽቡቕ ምህላውን ንጥዕና ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኖርወይ ጽቡቕ ሰሓቕ ህይወት የናውሕ’ዩ ኢና ንብል።
ምግቢ
- ኣብ መንጎ ምግብን ጥዕናን ዘሎ ምትእስሳር ተመያየጡ።
- ሕጂ ልክዕ ከምቲ ንኖርወይ ቅድሚ ምምጻእካ ትበልዖ ዝነበረካ ትበልዕዶ ኣለኻ፧
- ኣብ መንጎ ኵነታት ኣየርን ምግብን ምትእስሳር ኣሎዶ፧
- ንጥዕና ጐዳእቲ ዝዀነ ምግብታት ከመይ ዝበሉ እዮም ትብል፧
- ጥዑያት ምግብታት ዝብሃሉ ከመይ ዝበሉ እዮም ትብል፧
ብዙሓት ምስ ስደተኛታት ዝራኸቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ብዛዕባ ጥዕና ስደተኛታት የተሓሳስቦም’ዩ። ካብ ኖርወጃውያን ንላዕሊ ኣብ ስደተኛታት እዞም ዝስዕቦ ጥዕናዊ ጸገማት ብምህላዎም የተሓሳስቦም’ዩ፡
- ሽኮርያ
- ምኽራሽ (ህጥራን)
- ሕማቕ ጥዕና ኣስናን
- ጌጋ ኣመጋግባ ብፍላይ ከኣ ሕጽረት ሓጺን ከምኡ’ውን ቪታሚን ዲ
- ጭንቀት/ቅዛነት
ብሓባር ተዘራረቡ
ሽኮርያ
መንሽሮ
ኣዝማ
ምኽራሽ
ቍጥዐ ሰብነት
ልቢን መትነ-ልቢ ሕማማት
- ኣብ መንጎ ኣነባብራ ህይወትን እዞም ሕማማትን ዘሎ ምትእስሳር ተመያየጡሉ።
- እዚ ሕማማት’ዚ ኣብተን ኣቐዲምካ ትፈልጠን ሃገራት ዝውቱራት ድዮም፧
- ስደተኛታት ቅድሚ ምምጽኦም ዝነበሮም ናይ ጥዕና ጸገማት ኣብ ኞርወይ ምስ መጹ ዝተፈላለየ ዘገማት ከጋጥሞም ዝኽእል ስለምንታይ ምዃኑ ተመያየጡሉ።
- ጥዕናና ንምሕላው እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
እዋኑ ሓጋይ እዩ። ስድራቤት ሃንሰን ሸውዓተ፡ ትሽዓተን ዓሰርተ ሓደን ዓመት ዝዕድመኦም ሰለስተ ቈልዑ ዘሎዎም ኰይኖም፡ ደቆም ካብ ትምህርቲ ኣብ ዕረፍቲ እዮም ዘለዉ። እቲ መዓልታት ነዊሕን ኣሰልካዪን ኰይኑ ይስምዖም ኣሎ። መብዛሕትኦም ኣዕሩኽ እቶም ቈልዑ ገይሾም ወይ ኣብ ካልእ ስራሓት ትሑዛት’ዮም። ኣደን ኣቦን ካብ ስራሕ ደኺሞም ስለ ዝመጽኡ ኣብታ ዕረፍቲ ዘላቶም ግዜ ኣብ ገዛ ከዕርፉ’ዮም ዝመርጹ። ስለዚ፡ እታ ስድራቤት ብዙሕ ግዜ ኣብ ገዛ እያ ተሕልፎ።
- ብዛዕባ ኵነታት እዚ ስድራቤት’ዚኣ እንታይ ትሓስብ፧
- እቶም ወለዲ ብዛዕባ እንታይ ክሓስቡ ዘለዎም ይመስለካ፧
- እዚ ኵነታት’ዚ ኣብ ጥዕና እቶም ቈልዑን ወለድን ገለ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእልዶ፧
- እቲ ኵነታት ኣብቶም ቈልዑ ብኻልእ ነገራት ጽልዋ ክገብረሎም ይኽእልዶ፧
መህመት ተመሃራይ ሻዱሻይ ክፍሊ እዩ። ንሱ ኣብ ክፍሉ ብዙሓት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኣሎዉዎ። ኣብ እዋን ዕረፍቶም ኵዕሶ እግሪ ብዙሕ ይጻወቱ እዮም። መብዛሕትኦም እቶም ኣዕሩኽቱ’ውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ትርከብ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ይጻወቱ እዮም። ኣብ ኣብ ናይ ድሕሪቐትሪ ግዜ ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን ልምምድ ይገብሩ እዮም። መህመት ኣብታ ጋንታ ወዲጋንታ ክኸውን ዝደሊ’ኳ እንተዀነ ወለዱ ግን ኣብዚ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎዎም። ወጻእታት ገንዘብ ኣሎዎ፡ እታ ስድራቤት ከኣ ዓቕሚ የብላን።
- እዚ ኵነታት’ዚ ንጥዕና መህመት ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል፧
- ብዛዕባ ኵነታት እቶም ወለዲ እንታይ ይስምዓካ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ሎሚ ኣብ ኖርወይ ደረጃ መነባብሮ ከመይ ኣሎ፧
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
. . . . . . . . . . . .ነዊሕ እዋን ጥዑያት ኴንና ክንጸንሕ ንኽእል ኢና።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣየናይ እዩ ቅኑዕ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ስእሊ ምረጽ
ኣየናይ ስእሊ እዩ ጥዕና ዘለዎ ኣነባብራ ህይወት ዘርኢ፧ ብዙሕ መልስታት ምሃብ ይከኣል እዩ።