ማዕርነትን ማዕርነት ክብርን
ነዛ ፊልም ርኣያ
ማዕርነትን ማዕርነት ክብርን
ሓደ ካብቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ክብሪ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ማዕርነት ክብሪ እዩ። ከምዚ ክብሃል ከሎ ጾታ፡ ዕድመ፡ ደረጃ ስንክልና፡ ባህላዊ ድሕረ ባይታ፡ ቀቢላዊ መበቈል ወይ ጾታዊ ኣረኣእያ ብዘየገድስ ኩላቶም ሰባት ማዕረ ክብሪ ከም ዘሎዎም’ዩ ዝእመን። እቲ ሕብረተሰብ ንዅሉ ሰብ ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ ማዕረ ዕድላት ንምፍጣር ይሰርሕ። ገለ ኣብነታት ናይዚ ነቶም ዝተፈላለየ ስንክልና ዘሎዎም ተመሃሮ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምሃብ፡ ንስደተኛታት ናይ ቋንቋ ኖርወይ ስልጠና ምሃብን ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ዝብልን’ዩ።
ኣብ 1970ታት ንመሰላት ደቂ’ንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብን ናታተን ዕድላት ኣብ ትምህርትን ኣብ ስራሕን፡ ብሓፈሻኡ ዘሎወን ዕድላት ዝያዳ ኣቓልቦ ክግበረሉ ጀሚሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ደቂ’ንስትዮ ሞያዊ ስርሓት ዘሎወን ተሳትፎ ኣዝዩ ወሲኹ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ደቂ’ንስትዮ ዳርጋ ማዕረ ደቂተባዕትዮ ኣብ ስራሕ ይሳተፋ ኣለዋ። ይኹን’ምበር ዛጊት ከም ናይ ደቂ’ንስትዩ ሞያ ዝውሰድን ናይ ደቂተባዕትዮ ሞያን ዝብሃልን ስራሓት ኣሎ፡ ካብ ደቂተባዕትዮ ንላዕሊ ድማ ደቂ‘ንስትዮ ብብዝሒ ምሉእ ሰዓታት ዘይሰርሓ ይበዝሓ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘሎዎም ቍጽሪ ደቂ’ንስትዮን ደቂተባዕትዮን ማዕረ’ኳ እንተኾነ መብዛሕትኦም ግን ብልምዲ ዝጸንሐ ትምህርቲ እዮም ዝመርጹ። መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ’ንስትዮ ኣብ ዓውዲ ክንክንን ትምህርትን ደቂተባዕትዮ ድማ ኣብ ቴክኒክን ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠትን እዮም ዝመሃሩ። ሽሕ’ኳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ስራሕ ዝርከባ ደቂ’ንስትዮ እንተዀና፡ ካብቶም ኣብ ስራሕ ዓለም ዘለዉ ኣካየድቲ ስራሕ ዳርጋ ክልተ ካብ ሰለስተ ደቂተባዕትዮ እዮም።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮን ደቂ’ንስትዮን ዕማማት ከምኡ’ውን ተራ፡ ኣብ ህዝባዊ ትካላት ይኹን ኣብ ስድራቤት ኰነ ብዛዕባ ስራሕ ኣብ ገዛ ዘሎዎም ኣረኣእያ ተቐዪሩ እዩ። ሎሚ ኣብ መብዛሕትአን ስድራቤታት ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ስድራቤታት ስራሕ ገዛን ምእላይ ቆልዑን ምክፋል ልሙድ’ኳ እንተዀነ፡ ብመሰረት መጽናዕትታት ግን ክሳዕ ሕጂ ደቂ’ንስትዮ ካብ ደቂተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ዕዮ ገዛ ዝያዳ ግዜ የጥፍኣ። ስድራቤታት ንናብራአንን ስራሐንን ብኸመይ ክውድቦኦ ከም ዘለወን ባዕላተን’የን ዝውስና። ይኹን’ምበር ማዕርነትን ማዕርነት ክብርን ዝብል ኣምራት ኣብ ሕግታትን መሰላትን ክሳዕ ሕጂ ኢና ንረኽቦ። ኩላቶም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት ነዚ ሕግታት’ዚ ክስዕቡዎ ኣለዎም። ንኣብነት እዚ ኣብ ማዕርነትን ጸረኣድልዎን ዘሎ ሕጊ፡ ኣብ ሕጊ መውስቦን ኣብ ሕጊ ውርሻን ዘገልግል’ዩ።
ዓንቀጽ መቕጻዕታዊ ሕጊ § 185 ናይ 2005 ዓ.ም መብዛሕትኡ ግዜ ዓንቀጽ ዓሌትነት ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። እዚ ሕጋዊ ዓንቀጽ’ዚ ንዓሌት ፣ ሕብሪ ቆርበት ፣ እምነት ፣ሃይማኖት፡ ጾታዊ ኣርኣእያ/ጾታዊ መንነት ወይ ንስንክልና ሰባት ዝትንክፍ ኣድልዎ ምግባር ወይ ጽልኢ ዝመልኦ መግለጺ ምዝውታር ዝኽልክል’ዩ። እዚ ሕጊ ዓንቀጽ’ዚ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ናጽነት ዝድርት’ዩ። ዕላማ ናይዚ ንዓሌትነት ዝምልከት ዓንቀጽ’ዚ ንንኡሳን ብሄራት ንምክልኻል’ዩ።
ምንጪ፡ SSB
ብሓባር ተዘራረቡ
- ማዕርነት ንናይ ጾታ ማዕርነት ጥራይ ዝውክል ኣይኰነን። እዚ ማዕርነት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወለዶታት፡ ዝተፈላለየ ቍጠባዊ ዓቕሚ ዘሎዎም፡ ዝተፈላለየ ዜግነትን ቀቢላታትን ዘሎዎም፡ ዝተፈላለየ ደረጃ ናይ ስራሕ ክእለት ዘሎዎም፡ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነት ዘሎዎም፡ ዝተፈላለየ ጾታዊ ርክብ ዘሎዎም ሰባትን ወዘተ ዝኣመሰለ ማዕርነት ክኸውን ይኽእል። እዚ ንውልቀሰባትን ነቲ ሕብረተሰብን እንታይ ትርጕም ከም ዘሎዎ ብሓባር ተዘራረቡ።
- እቶም ካብ ወጻእተኛታ ወለዲ ዝተወለዱ መንእሰያት ካብቶም ኖርወጃዊ መበቈል ዘሎዎም ወለዲ ዝተወለዱ መንእሰያት ብዝያዳ ልዑል ትምህርቲ ክመሃሩ ዝመርጹሉ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል፧
- ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኖርወይ ደቂተባዕትዮን ደቂ’ንስትዮን ስለምንታይ ካብ ገዛ ወጻኢ ከም ዝሰርሑ ብሓባር ተዘራረቡ። እዚኸ እንታይ ጥቕምን ጕድኣትን ኣሎዎ፧
- እታ ስድራቤት ብኸመይ እያ ኣደን ኣቦን ካብ ገዛ ወጻኢ ክሰርሑ ከለዉ ክትተሓባበር ዘለዋ፧
- ብዙሓት ደቂ’ንስትዮ ምሉእ ሰዓታት ኣይሰርሓን’የን። እዚ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ፧ እዚ ነታ ጓልኣንስተይትን ነቲ ስድራቤትን ኣብ ሓጺርን ነዊሕን እዋን እንታይ ሳዕቤናት ኣሎዎ፧
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
ሓደ ካብቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ክብርታት ...
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ንመሰላት ደቂ'ንስትዮ ዝያዳ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝጀመረ መዓስ'ዩ፧
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
ዋላ'ኳ ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ስራሕ ዘሎዉ ሰባት ደቂ'ንስትዮ እንተዀና፡ ገና ዳርጋ . . . .
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧