ናብ ሓድሽ ሃገር ምግዓዝ
ናብ ሓድሽ ሃገር ምግዓዝ
ሰበነ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ኖርወይ ብምምጻእና ኣዝየ ሕጕስቲ እየ። ኣብዚ ጽቡቕ እዩ፡ ሕጂ ንዓናን ንደቅናን ውሕስነት ዘሎዎ መጻኢ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ዘሎ። ኣማኒኤል፡ ኣብዚ ጽቡቕ`ዩ ዲኺ ዝበልኪ፧ ኣነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብምህላወይ ኣዝዩ ሰልቺውኒ ኣሎ። ኵሉ ከቢድ’ዩ። ኩሉ ምዃን ኣብዩ። ንባዕለይ ስራሕ የብለይን፡ እቲ ቋንቋ ኣይርድኣንን’ዩ፡ ኣብ ኵሉ ነገራት ከኣ ሓገዝ የድልየኒ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ዝነብሩ ሰባት ከም ገለ እዩ ጠባዮም። ካባቲ ኣነ ዝሓስቦ ፈጺሞም ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ’ዩ ዘሎዎም።
ሰበነ፡ ኣነ ደኣ ጽቡቕ ዘለኻ ኮይኑ’ንድዩ ዝስምዓኒ ነይሩ።
ኣማኒኤል፡ ቅድሚ ገለ ሰሙናት ኣጸቢቑ ዝሓሸ ኔረ። ሽዑ ህይወት ማዕረ ክንደይ ከም ዝተቐየረ ኣይተረድኣንን ነይሩ። ብዙሕ ኢና ኣጥፊእና፡ ስድራቤት፡ ኣዕሩኽ፡ ባህሊ፡ ቋንቋ።
ናብ ሓድሽ ሃገር ዝግዕዙ ሰባት ገለ ነገር የጋጥሞም’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንሕና ሰለስተ ስነኣእምሮኣዊ ደረጃታት መስርሕ ስደት ኢልና ንጽውዖ ይሓልፉዎ እዮም። እዞም ደረጃታት መስርሕ እዚኣቶም ክሳዕ ክንደይ ይጸንሑ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለዩ እዮም።
1ይ ደረጃ
ኣብቲ መጀመርታ እዋን ሓጐስን እወታዊ ኣረኣእያን ክስምዓካ ልሙድ’ዩ። ኵሉ ግዜ ትሑዝ ኢኻ። ብዙሕ ነገራት ዝግበር ኣሎ፡ እቲ ኵሉ ሓደሽቲ ነገራት ከኣ ባህ ዘብል ክኸውን ይኽእል። ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ዘጋጠመካ ዕድላት’ምበር ብዛዕባ’ቲ ገዲፍካዮ ዝመጻእካን ዝሰኣንካዮን ነገራት ምናልባት ብዙሕ ኣይትሓስብን ትኸውን።
2ይ ደረጃ
ድሕሪ ገለ መዓልትታት፡ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብታ ሓዳስ ሃገር መነባብሮ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይስምዖም። ሃንደበት ሳዕቤን ናይቲ ምግዓዝ ይርድኦም። ኵሉ’ቲ ኣብታ ሓዳስ ሃገር ዘሎ ነገራት ጓና ስለ ዝዀኖም ናይ ዘይምትእምማን ስምዒት ይሓድሮም። ከምቲ ዝለመዱዎ ህይወት ስለ ዘይኰነሎም ብዘይ ምኽንያት ይደኽሙን ይስልክዮምን፡ ናፍቖት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጡዎ ህይወት ድማ ዓቢ ይኸውን።
3ይ ደረጃ
ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን እቲ ህይወት ንመብዛሕትኦም ሰባት እንደገና ዝቐለለ ኮይኑ ይስምዖም። ኣቲ ቋንቋን ስርዓትን ናይታ ሓዳስ ሃገር ዝያዳ ይርድኦም። መጻኢኦም ብሩህ ኮይኑ ይርኣዮም። ነቲ ስደት ይርዕሙዎ። በብቝሩብ ነቲ ኣብታ ሓዳስ ሃገር ዘሎ እወታዊ ህይወትን ክብርታትን ይቕበሉዎ። ነዚ ምስቲ ካብ ዓዶም ሒዞሞ ዝመጽኡ ክብርታትን ሓሳባትን ብምውህሃድ ድማ ኣብቲ ሓድሽ ሕብረተሰብ ቦታኦም ይረኸቡ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣማኒኤልን ሰበነን ከመይ ኣለዉ፧ እቲ ዝብሉዎ ዘለዉ ናትካ ተመኩሮ ውን ካብኡ ዘይፍለ ኮይኑ ዶ ይስምዓካ፧
- ኣማኒኤል ብዙሕ ነገር ከም ዝሰኣኖ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። እዚ ንጥዕናኡ እንታይ ትርጕም ክህልዎ ይኽእል፧
- ሓደ ብዘይ ድሌቱ ፍቓድ ናብ ካልእ ሃገር ዝገዓዘ ሰብ ካብቲ ብድሌቱ ዝገዓዘ ሰብ ነዚ ደረጃታት’ዚ ብዝተፈልየ መንገዲ ክምኰሮ ይኽእልዶ፧
- ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ኣባላታ እዚ ደረጃታት እዚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እንተ ሰጊሮሞ፣ እታ ስድራቤት ከመይ ዝበለ ህይወት ክህልዋ ይኽእል፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
መስርሕ ስነኣእምሮኣዊ ፍልሰት ክንደይ ደረጃታት/ገጻት ኣሎዎ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣየናይ ደረጃ በዚ ዝስዕብ ይልለ
- ኣብታ ሓዳስ ሃገር ምንባር ኣጸጋሚ ኮይኑ ይስምዓካ
- ሓደ ሰብ ሳዕቤን ናይቲ ምግዓዝ ይርድኦ
- እቲ ሰብ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ህይወት ይናፍቖ
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
እዚ ዝተፈላለየ ደረጃታት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ይጸንሕ፧
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
ሓደ ሰብ ነቲ ኣብታ ሓዳስ ሃገር ዘሎ ህይወትን ስነምግባራዊ ክብርታትን ብእወታዊ መንገዲ ምስ ተቐበሎን ምስቲ ካብታ ናይ ቀደም ሃገር ሒዙዎ ዝመጽአ ስነምግባራዊ ክብርታትን ሓሳባትን ምስ ዘወሃህዶ ...
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧