መደብ ኢንትሮን ሕጊ ምውህሃድን
መደብ ኢንትሮን ሕጊ ምውህሃድን
ዕላማታት መደብ ኢንትሮ እዞም ዝስዕቡ እዮም
- ንተሳተፍቲ መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ኖርወይ ምሃብ
- ንተሳተፍቲ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኖርወይ መሰረታዊ ፍልጠት ምሃብ
- ንተሳተፍቲ ንስራሕ ወይ ንትምህርቲ ምድላው
ሰበስልጣን ኖርወይ ኣብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ኣብቲ መጀመርታ እዋን ስራሕ ምርካብን ነብስኻ ምኽኣልን ኣጸጋሚ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ድማ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ (ስቱርቲንግ) ሕጊ ምውህሃድ (ኢንተግረሪንግስሎቨን) ዝብሃል ሕጊ ኣውጺኡ። እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ኖርወይ ዘለዋ ምምሕዳራት ንስደተኛታት መደብ ኢንትሮ ምሃብ ሓላፍነት ከም ዝህልወን ዝገብር’ዩ።
ኣብዚ መደብ እዚ እቶም ተሳተፍቲ ቋንቋ ኖርወይ ክመሃሩን ብዛዕባ ሕብረተሰብን ኣብ ኖርወይ ዘሎ ናይ ስራሕ ህይወትን ስልጠናን ፍልጠትን ንክረኽቡ እዩ። ዕላማ ናይቲ መደብ፡ እቶም ተሳተፍቲ እቲ መደብ ምስ ተዛዘመ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንኽጅምሩ እዩ። እቲ መደብ ከም ብቕዓት ትምህርትን ተሞክሮን ናይቲ ሰብ ካብ ሰለስተ ወርሒ ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ክኸይድ ይኽእል። እቶም ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ ቍጠባዊ ደገፍ ይረኽቡ።
መደብ ኢንትሮ እዚ ትሕዝቶዚ ክህልዎ እዩ።
- ስልጠና ቋንቋ ኖርወይ
- ኣብ ሓዳስ ሃገር ህይወት ክኽእልዎ ምሕጋዝ
- ንወለዲ ምኽሪ (ንኹላቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ዘሎዎም)
- ስራሕ ወይ ትምህርቲ ሓዘል ትሕዝቶ
ምንጪ፡ IMDi
ብሓባር ተዘራረቡ
- ስለምንታይ ስደተኛታት መደብ ኢንትሮ ከውስዱ ዕድል ይወሃቦም፧
- ስለምንታይ ከ ካልኦት ወጻእተኛታት መደብ ኢንትሮ ከውስዱ ዕድል ዘይወሃቦም፧
- ተሳተፍቲ መደብ ኢንትሮ ክወስዱ እንታይ ከማልኡ ክሕተቱ ኣለዎም፧
- እቶም ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ ኸ እንታይ ትጽቢት ኣሎዎም ይመስለካ፧ እቲ ሕብረተሰብ ከ ካብቶም ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ እንታይ ትጽቢት ኣለዎ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ዕላማ መደብ ኢንትሮ እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
መደብ ኢንትሮ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ይቕጽል፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ንሕጊ መደብ ኢንትሮ ዘጽደቐ መን'ዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ንመደብ ኢንትሮ ዘተግብሮ መን'ዩ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧