መባእታዊ ቤትትምህርቲ
መባእታዊ ቤትትምህርቲ
ሓቅታት ብዛዕባ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ኣብ ኖርወይ
- ኵላቶም ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ቈልዑ ን 13 ዓመታት ናይ ምምሃር መሰል ኣሎዎም። መባእታዊ ቤትትምህርቲ ግን 10 ዓመት እዩ።
- መባእታዊ ቤትትምህርቲ ግድነታውን ኮይኑ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።
- ቈልዑ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝመልኡላ ዓመት ኣብ ነሓሰ ትምህርቲ ይጅምሩ።
- መባእታዊ ቤትትምህርቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ/ barnetrinnet (ካብ 1ይ ክሳብ 7ይ ክፍሊ) ማእከላይ ደረጃ/ጁንዮር ድማ (ካብ 8ይ ክፍሊ ክሳብ 10ይ ክፍሊ) ዝተኸፋፈለ እዩ።
- ተመሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ/ barnetrinnet ብቓል ወይ ብጽሑፍ ገምጋም ይወሃቦም፡ ነጥቢ ግን ኣይውሃቦምን’ዩ።
- እቶም ኣብ ማእከላይ ደረጃ/ጁንዮር ዘለዉ ተመሃሮ ነጥቢ ይውሃቦም’ዩ። እቲ ነጥቢ ድማ ካብ 1-6 ኮይኑ፡ 6 እቲ ዝበለጸ ነጥቢ እዩ።
- ኣብ ማእከላይ ደረጃ/ጁንዮር ዝመሃሩ ተመሃሮ ናይ ስርዓትን ጠባይን ነጥቢ ይወሃቦም’ዩ። እተን ሰለስተ ዝወሃባ ነጥብታት ድማ ጽቡቕ፡ ደሓን ከምኡ’ውን ትሕት ኢሉ ጽቡቕ እዩ።
- ኵላቶም እቶም ኣብ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ዝመሃሩ ቈልዑ ድሕሪ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ብኡንብኡ ናብ ልዕለኡ ዘሎ ክፍሊ ይግዕዙ። ኣብ ሓደ ደረጃ ክልተ ዓመት ዝደግም ዝኾነ ተመሃራይ የሎን።
- ተመሃሮ ዩኒፎርም ኣይክደኑን እዮም።
- ኣብ ኖርወይ፡ ኣብ ቤትትምህርቲ ይኹን ኣብ ገዛ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ክልኩል እዩ።
- ገለ ክፋል ናይቲ ትምህርቲ ካብ ቤትትምህርቲ ወጻኢ እዩ ዝካየድ። ንኣብነት ዙረት፡ ካብ ከባቢ ወጺእካ ዝካየድ ትምህርቲ/leirskole፡ ምሕንባስን ምብጻሕ ቤተመዘክርን።
- መብዛሕትኦም ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ቈልዑ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተትምህርቲ እዮም ዝመሃሩ፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ሚእታዊት ዝዀኑ ኣብ ናይ ብሕቲ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ይመሃሩ። ኣብዚ ወለዲ ክፋል ብጽሒቶም ይኸፍሉ።
- ኣብ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ዝወሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ፥ ሕሳብ፡ ኖሽክ፡ እንግሊዝኛ፡ ካልእ ናይ ወጻኢ ሃገር ቋንቋታት፡ ስነፍልጠት፡ ማሕበራዊ ኣስተምህሮ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ትምህርቲ ሃይማኖታት ክርስትና፡ ኣርኣእያ ህይወትን ሞራልን (KRLE), ትምህርቲ ስነጥበብ፡ ኢደጥበብን፡ ሙዚቃ፡ ምድላው ምግብን ጥዕናን ከምኡ’ውን ባዕልኻ ዝመረጽካዮ ዓይነት ትምህርቲ።
መባእታዊ ቤትትምህርቲ ኣብ መላእ ሃገር ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝተወደበ ዀይኑ፡ ኵላቶም ተመሃሮ ድማ ብመሰረት ሓደ ውጥን ትምህርቲ/læreplan እዮም ዝመሃሩ። ኣብ ባይቶ ኖርወይ (ስቱርቲንግ) ዘለዉ ፖለቲከኛታት ነዚ ውጥን ትምህርቲ’ዚ የጽድቑዎ። በዚ መንገዲ እዚ ኸኣ ኵላቶም ተመሃሮ ኣብ ኣየነይቲ ምምሕዳር ይቕመጡ ብዘየገድስ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ይረኽቡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ዘሎ ዕላማ ዝብል ሕጡበጽሑፍ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ኖርወይ’ውን ኣብ ክብሪ ክርስትናን ሰብኣዊ ውርሻን ልምድን ዝተመስረተ፡ ከም ኣኽብሮት ንክብሪ ወዲሰብን ተፈጥሮን ክኸውን ከም ዘለዎ ይገልጽ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ፍልጠት ናጽነት፡ ንብጻይካ ከም ነብስኻ ምፍታው፡ ይቕረ ምባል፡ ማዕርነትን ሓድነትን ክህነጽ ኣለዎ።
ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሃሮ ብዙሕ እዋን ብጕጅለ ተጠርኒፎም ይሰርሑ እዮም፡ መብዛሕትኡ እዋን ድማ ዕዮ ፕሮጀክት ኣሎዎም። በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ እቶም ቈልዑ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ምዕያይን ሓድሕዳዊ ኣቓልቦ ምግባርን ይመሃሩ።
ኩላቶም ኣብ መባእታዊ ትምህርቲ ኖርወይ ዝርከቡ ቈልዑ ማዕረ ናይ ትምህርቲ መሰል ኣሎዎም። ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልዮም ተመሃሮ ክረኽቡ እዮም። ብምኽንያት ዝነብሩሉ ቦታ ወይ ስድራቤታዊ ድሕረባይታ ወይ ጾታ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ፍልልይ ክግበር የብሉን። ኣብ ኖርወይ ውሑዳት ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ እየን ዘለዋ። መብዛሕትኦም ቈልዑ እቲ ዘድልዮም ሓገዝ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ቤትትምህርቲ ይረኽቡ እዮም።
ብሓባር ተዘራረቡ
- እቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ኣገባብ ትምህርቲ ካብቲ ኣቐዲምካ ትፈልጦ ኣገባብ ቤትትምህርቲ ብኸመይ እዩ ዝመሳሰል/ብኸመይከ ይፈላለ፧
- ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕላማ ትምህርቲ ዝብል ዓንቀጽ ሰፊሩ ዘሎ ስነምግባራዊ ክብርታት እንታይ ትሓስብ፧
- ብዛዕባ ነጥቢ ኣብ ቤትትምህርቲ ዘትዩ።
- ብዛዕባ ኣብ ቤትትምህርቲ ዩኒፎርም ምጥቃም ዘትዩ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ቈልዑ መዓስ እዮም ትምህርቲ ዝጅምሩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ክንደይ ሚእታዊት ቈልዑ ኣብ ኖርወይ ናብ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኸዱ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ቤትትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ፡ ተመሃሮ ናይ ስነስርዓትን ጠባይን ነጥቢ ይወሃቦም እዩ። እንታይ ዓይነት ነጥቢ እዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧