ኣብ ኖርወይ ውሑዳን ብሄራትን ብዙሃን ብሄራትን
ኣብ ኖርወይ ውሑዳን ብሄራትን ብዙሃን ብሄራትን
ደቂ ሰብ ወትሩ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ቦታ ናብ ይግዕዙ እዮም። ንኣብነት ናይዚ ቀረባ እዋን ካብ ኣውሮጳ ናብ ኣሜሪካ ዝነበረ ስደት እዩ። ካብ 1820 ዓ.ም ክሳዕ 1930 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ ሰላሳ ሚልዮን ኤውሮጳውያን ናብኡ ግዒዞም። ኣስታት ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ድማ ካብ ኖርወይ ዝገዓዙ ነይሮም።
መብዛሕትኦም እዞም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ኖርወጃዊ ስድራቤታዊ መበቈል ዘሎዎም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ስሳ ዓመታት ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ኖርወይ መጺኦም። ገለ ካብኣቶም ከም ስደተኛታት ዝመጽኡ ኰይኖም ገለ ኸኣ ስራሕ ክረኽቡ ዝመጽኡ እዮም። እዚኣቶም ካብ ኣውሮጳን ካብ ካልእ ክፋል ዓለምን ዝመጽኡ እዮም።
ኣብ መእተዊ ናይ 2024 ዓ.ም፡ ኣብ ኖርወይ ዳርጋ 5.5 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ይነብሩ ኣለዉ። ካብ ሓደ ሚልዮን ልላዕሊ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ወለዲ ዘሎውዎም እዮም። እዚ ኸኣ ዳርጋ ዕስራ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኖርወይ እዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ስደተኛታት ዜግነት ኖርወይ ዘሎዎም እዮም። እቶም ዝበዝሑ ጕጅለ ስደተኛታት (ወጻእተኛታት) ካብ ፖላንድ፡ ሊታወን፡ ዩክሬና፡ ሽወደንን ሶርያን ዝመጽኡ እዮም። ስደተኛታት ኣብ ኵላተን ምምሕዳራት ኖርወይ እዮም ዝነብሩ። ይኹን’ምበር ካብቶም ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ስደተኛታት (ወጻእተኛታት) ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ስደተኛታት ይብዝሑ።
ሃገራዊ ውሑዳን ብሄራት
ኣብ ኖርወይ፡ ምስ’ዚ ሃገር ንኣማእት ዓመታት ምትእስሳር ዝነበሮም ሓያሎ ጕጅለታት ነበርቲ ኣለዉ። ነዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ውሑዳን ብሄራት ኢልና ኢና ንጽውዖም። እዞም ውሑዳን ብሄራት እዚኣቶም ድማ፡
- ሳመ
- ኣይሁዳውያን
- ክቨነር/ኖርወጃውያን ፊንላንዳውያን
- ስኩግፊነር
- ሩመር
- ሮማኒህዝቢ/ታተረ
ምንጪ፡ regjeringen.no
ኖርወይ ኣብ 1999 ነቲ ብዛዕባ መሰላት ውሑዳን ብሄራት ዘኽብር ውዕል ኣጽዲቓቶ። ኣብዚ ስምምዕ’ዚ መንግስቲ ናይዘን ውሑዳን ብሄራት ዝዀኑ ሰባት ከም ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ልምድታትን ባህላዊ ውርሻን ዝኣመሰሉ ንኽዕቅቡዎን ከማዕብሉዎን ባይታ ከተጣጥሓሎም ሓላፍነት ወሲዳ/መብጽዓ ኣትያ።
ምውህሃድ
ኖርወይ እቲ ሕብረተሰብ ብዙሃንን ውሑዳንን ብሓባር ብጽቡቕ ዝነብሩላን እታ ሃገር ንኹላትና ትብጽሓናን ነበርቲ ከም ሓደ ማሕበረ-ሰብ ኮይኑ ከም ዝስምዖምን ክኸውን ፖለቲካዊ ሸቶ ኣሎዋ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ናይ ምውህሃድ ፖለቲካ ድማ ስደተኛታትን ደቆምን ኵሉ ዘሎዎም ጸጋታት ብምጥቃም ከምቲ ብዙሕ ክፋል ናይቲ ሕብረተስብ ኣብቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ብማዕረ ከበርክቱ እዩ። ነዚ ንምግባር ሓደ ካብቲ ቀንዲ መፋትሕ ኩላቶም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ ኖርወይ ክህልዎም ከሎ እዩ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- እታ መበቈላዊት ሃገርካ ስደተኛታት ናብኣ ዝውሕዙዋ ድያ ወይስ ካብኣ ንደገ ዝውሕዙ ዝተጸለወት እያ፧
- ስለምንታይ እዮም ደቂሰባት ካብ ዓዶም ንደገ ዝግዕዙ፧
- ኣብ ኖርወይ፡ ስደተኛታት ካብ ኣብ ገጠራት ብብዝሒ ኣብ ከተማታት ዝነበሩ ስለምንታይ ይመስለካ፧
- ገለ ከተማታት ንኡስ ምምሕዳራት ዝብዝሑ ነበርተን ስደተኛታት’ዮም። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ፧ እዚ እወታዊዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ እወታዊ ስለምንታይከ ኣሉታዊ፧
- ስደተኛታት ቋንቋ ናይታ ግዒዞም ዝነብሩላ ዘለዉ ሃገር ክመሃሩ ኣለዎምዶ፧ ስለምንታይ እወ ወይ ስለምንታይከ ኣይፋል፧
- ስደተኛታት ካብታ ዝገዓዙላ ሃገር ዘሎ ኣተሓሳስባን ናብራ መመርሕታትን ምስኣቶም ሒዞሞ ክግዕዙ ኣለዎምዶ፧ ስለምንታይ እወ ወይ ስለምንታይከ ኣይፋል፧
- ኣብ ዓድኻ ውሑዳን ብሄራት ዝብሃሉ ኣለዉዶ፧
- ብዛዕባ ናይ መንግስቲ ንናይ ውሑዳን ብሄራት ባህሊ ንምዕቃብ ባይታ ምጥጣሕ ሓላፍነት ተዘራረቡ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ዳርጋ ክንደይ ካብ ተቐማጦ ኖርወይ እዮም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ወለዲ ዘሎዉዎም፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣበይ ይነብሩ፧
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
ስደተኛታት ነቲ ዘሎዎም ጸጋታት ምእንቲ ክጥቀሙሉ ................ ክህልዎም ኣገዳሲ እዩ።
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧