መንበሪ ገዛ
ነዛ ፊልም ርኣያ
መንበሪ ገዛ
መንበሪ ገዛ
ኣብ ኖርወይ ልዕሊ ክልተ ሚልዮንን ፈረቓን ኣባይቲ ኣሎ። ዳርጋ ፍርቂ ካብዚ ኣባይቲ እዚ ነብሶም ዝኸኣሉ ቪላታት ኤነቡሊ እዮም። ኣብ ከም በዓል ኦስሎ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ሰብዓ ሚእታዊት ካብቲ ኣባይቲ ኣፓርተማታት’ዩ። ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳራት ግን ክሳዕ ተስዓ ሚእታዊት ኣቢሉ ቪላታት ክህሉ ይኽእል’ዩ። ዳርጋ ሰማንያን ክልተን ሚእታዊት ዝዀኑ ስድራቤታት ባዕላቶም ዝውንኑዎ ክኾኑ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ሸሞንተ ሚእታዊት ግን ተኻርዮም ዝነበሩ እዮም።
- ባዕልኻ ትውንኖ መንበሪ ገዛ፡ እቲ ገዛ ባዕልኻ ትውንኖ እዩ። እዚ ንዝኾነ ሰብ ከይሓተትካ ገዛኻ ክተሐድስን ከትካርን ትኽእል። ንዅሉ ወጻእታት ናይቲ ገዛ (ግብሪ ምምሕዳር፡ መድሕንን፡ ወጻእታት ጽገናን) ባዕልኻ ትኸፍሎ። ንብምሉኡ’ቲ ገዛ ንምግዛእ ዘድልየካ ወጻእታት ባዕልኻ ኢኻ ትሽፍኖ።
- ብማሕበር ዝውነን ኣባይቲ፡ ብማሕበር ኣብ ዝውነን ኣባይቲ እጃምካ ትውንን ኢኻ። መንበሪኻ ክትጥቀመሉ ምሉእ መሰል ኣሎካ። ንብዙሕ ሕግታትን ውሳኔታትን’ቲ ማሕበር ቡረትስላግ ግን ክትስዕቦ ኣለካ። ነቲ ኣፓርተማ ክትዕድጎ ከለኻ ዕርቡን ገንዘብ ትኸፍል ኢኻ። እዚ ባዕልኻ ትኸፍሎ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ክራይ ገዛ ክትከፍል ኣለካ። እቲ ክራይ ገዛ ነቲ ናትካ ብጽሒት ኣብቲ ናይ ሓባር ዕዳ ናይቲ ማሕበር፡ ግብሪ ምምሕዳርን መድሕን ገዛን ዝሽፍን’ዩ ።
ምወላ ናይ መንበሪ ገዛ
ሓደ መንበሪ ገዛ ብዙሕ ገንዘብ’ዩ ዋጋኡ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ ገዛ ንምዕዳግ ካብ ባንክ ገንዘብ ይልቅሑ። ነቲ ለቓሕ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ወወርሒ እንዳኸፈልካ ምምላስ ልሙድ’ዩ። ነቲ ገዛ ንምግዛእ ዘድሊ መጠን ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ካብ ባንክ ክንልቅሖ ኣይንኽእልን ኢና። ንሕና’ውን ናትና መበገሲ ገንዘብ የድልየና። እዚ ድማ ናትካ ርእሰማል ማለት ኤገንካፒታል ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ቐንዲ መምርሒ ካብ ጠቕላላ ዋጋ ናይቲ ንዕድጎ ገዛ 15 ሚእታዊት ባዕልና ዘዋህለልናዮ ክህሉ ኣለሎ። ድሕሪኡ ካብቲ ባንክ ነቲ ዝተረፈ 85 ሚእታዊት ዋጋ ናይቲ ገዛ ክንልቃሕ ንኽእል። ካብ ባንክ ገንዘብ ክንልቃሕ ግን ቀዋሚ ኣታዊ ወይ ካልእ ቍጠባዊ ውሕስነት ክህልወና ኣለዎ። እቲ ባንክ ነቲ ዕዳ በብወርሒ ተመላሲ ዝኽፈልን ወለድን ክንከፍሎ ከም ንኽእል ርግጸኛ ክኸውን ኣለዎ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ጥቕምን ጕድኣትን ኣብ ምውናን ምክራይን ገዛ ዘሎ ተዘራረቡ።
- ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ባዕልኻ ትውንኖ መንበሪ ገዛን ብማሕበር ትውንኖ ገዛን ዘሎ ፍልልይ ብሓባር ተዘራረቡ።
- ብዛዕባ ካብ ባንክ ገንዘብ ምልቃሕ እንታይ ትሓስብ፧ እንታይ ክማላእከ ኣለዎ፧
- ኣብ መርበብ ሓበሬታ finn.no ወይ ካልእ መርበብ ሓበሬታታት ኣቲኻ ኣብ ጥቓ’ቲ ትነብረሉ ዘለኻ ከባቢ ዝሽየጡ ዘለዉ ኣባይቲ ርአ። እንታይ ዓይነት ኣባይቲ እዩ፧ ዋጋኡኸ ክንደይ’ዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኖርወይ ክንደይ ዝኣክል ኣባይቲ ኣሎ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
እንታይ ዓይነት ቤት`ዩ ንስኻ
- ንቤትካ ክትጥቀመሉ ምሉእ መሰል ኣሎካ
- ዝወጽአ ውሳኔታትን መምርሕታትን ምኽባር
- ኣፓርታማ ክትዕድግ ከለኻ ትሕጃ ምኽፋል
- ክራይ ገዛ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ምኸፋል
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ገዛ ክንዕድግ ከለና ክንደይ ዝኣክል ካብቲ ዋጋ ግድን ክህልወና ኣለዎ፧ ክንደይ ዝኣክል'ከ ካብቲ ባንክ ክንልቃሕ ንኽእል፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
መለለዪ ብውልቅኻ ትውንኖ ገዛ እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧