ምትሕብባር ኣብ መንጎ ገዛን-ቤትትምህርትን
ምትሕብባር ኣብ መንጎ ገዛን-ቤትትምህርትን
እታ ጓል፦ ካብ መምህረይ ዝተላእከት ደብዳቤ እንሃልኪ። ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ዘሎ ዝርርብ ምዕባለ ክትመጽኢ ኣለኪ።
ዓባያ፦ ስለምንታይ እያ እታ መምህር ደብዳቤ ጽሒፋ፧ ገለ ጌጋ ፈጺምኪ ዲኺ፧
እታ ጓል፦ ኣይፋሉን፡ እዚ ምስ መምህር ዝግበር ንቡር ዝርርብ ጥራይ’ዩ። ኵላቶም ኣብቲ ክፍሊ ዘለዉ ተመሃሮ ደብዳቤ ተቐቢሎም እዮም።
ዓባያ፦ ወላ ሓንቲ ጌጋ ከም ዘይፈጸምኪ ርግጸኛ ዲኺ፧ ኣነ ናብ ትምህርቲ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበርኩ እዋን እቶም ወለዲ ምስ መምህር ዝዘራረቡ፡ እቶም ቈልዑ ሕማቕ ጠባይ ከርእዩ ከለዉ ጥራይ’ዩ ነይሩ።
እታ ኣደ፦ ክትፈልጢ ግን ሕጂ ከምኡ ኣይኰነን፡ ኣነ ነታ መምህር ከዘራርባን ኵነታት ከመይ ከም ዘሎን ክሰምዕ ክደሊ እየ። ብዛዕባ ዕዮ ገዛ’ውን ገለ ሕቶታት ኣሎኒ።
ናይ ደቆም ቀንዲ ሓላፍነት ዘሎዎም ወለዲ እዮም። ይኹን’ምበር ወለዲ ምስ መውዓሊ ሕጻናት ኰነ ምስ ቤትትምህርቲ ንኣተዓባብያን ንትምህርትን ብዝምልከት ሓቢሮም ክሰርሑ ንቘልዑን መንእሰያትን ጽቡቕ እዩ።
ወለድን ቤትትምህርትን ምስቲ ቈልዓ ብሓባር፡ እቲ ቈልዓ እንታይ ምምሃር ከም ዘድልዮ ክከታተሉ እዮም። እቲ ተመሃራይ፡ ወለድን መምህርን ኣብ ዓመት እንተ ወሓደ ክልተ ግዜ ብሓባር ብዛዕባ ምዕባለ ትምህርትን እቲ ተመሃራይ ኣብ ቤትትምህርቲ ከመይ ከም ዘሎን ክዘራረቡ እዮም።
ወለዲ ንዅሉ‘ቲ ካብ ቤትትምህርቲ ብጽሑፍ ዝመጽእ ሓበሬታ ከንብቡዎን ክፈልጡዎን ኣገዳሲ እዩ። ወለዲ ገለ ሕቶታት ኣሎዎም እንተዀይኑ ምስ ናይ ክፍሊ መምህር ወይ ምስ ካልኦት ኣብቲ ቤትትምህርቲ ዘለዉ ክራኸቡ ይኽእሉ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ቤትትምህርቲ ንዅሉ ሰብ ጽቡቕ ቦታ ክኸውን ኣለዎ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት’ዩ፧
- ብሓባር ምውሳን ወይ ብሓባር ሓላፍነት ምስካም ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧
ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ተሓባቢርካ ምዕያይ ከምቲ ንደልዮ ኣይሰርሕን’ዩ። ወለድን እቲ ቤትትምህርትን ብዛዕባ’ቲ ኣገዳስን ቅኑዕን ነገራት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ክህልዎም ይኽእል’ዩ። እቲ ካልእ ጸገም ከኣ ቤትትምህርትን ወለድን ኣብ ነንሓድሕዶም ዝተፈላለየ ትጽቢታት ስለ ዘሎዎም ክኸውን ይኽእል።
ገለ መምህራን ብዛዕባ’ዚ ኵነታት’ዚ ክገልጹልና ይኽእሉ እዮም፦
- ወለዲ ኣብቲ ናይ ወለዲ ኣኼባታትን ናይ ምዕባለ ዝርርብን ኣይመጽኡን እዮም።
- ወለዲ ንደቆም ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ ናብ ዓዶም ይወስዱዎም። ንሳቶም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ትምህርቲ ክጅመር ከሎ ኣይምለሱን እዮም። እቶም ቈልዑ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ’ዮም ናብ ቤትትምህርቲ ዝመጽኡ።
- ኣብ ኖርወይ ዝተወልዱ ቈልዑ ትምህርቲ ክጅምሩ ከለዉ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ ኖርወይ የብሎምን።
- ወለዲ ተመሃሮ ካብ ቤትትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ዝግበር፡ ንኣብነት ከም ደምበ ቤትትምህርቲ ዝኣመሰለ ክካፈሉ ኣይደልዩዎምን እዮም።
- ተመሃሮ ኣብ ጂምናስቲክ ወይ ኣብ ናይ ምሕንባስ ትምህርቲ ክካፈሉ ኣይፍቀደሎምን እዩ።
- ገለ ወለዲ ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርጫ ይወስዱ፧
- ኣብቶም ቈልዑ እንታይ ዓይነት ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእል ይመስለካ፧
- ነዚ ጸገማት’ዚ ክፈትሑዎ ዝኽእሉ መፍትሕታት ተመያየጡሉ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
መምህርን፡ ተመሃራይን ወለድን ዝርርብ ብዛዕባ ኵነታት ተመሃራይ ኣብ ቤትትምህርቲን ትምህርታዊ ምዕባለኡን ኣብ ከክንደይ ይገብሩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብቲ ምስ መምህር ዝግበር ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ትዘራረብ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ምትሕብባር ከምቲ ንደልዮ ኣይሰርሕን'ዩ። እቲ ጸገም እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ ብዙሕ ቅኑዕ መልስታት ኣለዉ።
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧