ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ስነምግባራዊ ንቕሓትን

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Snakk sammen

Det er viktig å snakke sammen om hvordan man kan vurdere hvor troverdig informasjon er. Vi blir alle bombardert med informasjon fra ulike kilder. Noen ganger får vi motstridende informasjon. Hvem skal man da stole på? Har avsender av informasjon en egen agenda? Skal man for eksempel stole på informasjon fra myndighetene eller fra venner om informasjonen er motstridende?

Hvordan blir det hvis barna lærer ikke å si i mot foreldrene hjemme og samtidig lærer i barnehagen eller på skolen å stille spørsmål og argumentere?

Tips til undervisninga

Snakk saman

Det er viktig å snakke saman om korleis ein kan vurdere kor truverdig informasjon er. Vi blir alle bombarderte med informasjon frå ulike kjelder. Nokre gonger får vi motstridande informasjon. Kven skal ein då lite på? Har avsendaren av informasjonen ein eigen agenda? Skal ein til dømes lite på informasjon frå styresmaktene eller frå vener dersom dei gjev motstridande informasjon?

Korleis blir det dersom barna heime lærer å ikkje seie imot foreldra og samstundes lærer i barnehagen eller på skulen å stille spørsmål og argumentere?

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Demokrati og medborgerskap

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

bruke kunnskap om personvern og opphavsrett, samt retten en selv og andre har til privatliv
samtale om betydningen av kritisk tenkning og etisk bevissthet, blant annet knyttet til digital dømmekraft

Kjerneelement

Perspektivmangfold og kritisk tenkning

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ስነምግባራዊ ንቕሓትን

Seks personer står ved siden av hverandre. De holder opp tankebobler og snakkebobler laget med papir i forskjellige farger. Bildet illustrerer at de har forskjellige meninger. Foto
GettyImages

ኣብዚ ሕጂ እዋን ነፍስወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያ ክህልዎ ከም ዘለዎ ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ ጐሊሑ ዝርአ እዩ። ቈልዑ ኣብ ቤትትምህርቲ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ንኸሕድሩ ይመሃሩ፡ ነቲ ዝረኸቡዎ ፍልጠት ከኣ ቅኑዕ ኣማራጽታት ንምውሳድ ይጥቀሙሉ። ከካትዑን ክመያየጡን መሃዝቲ ክዀኑን ይመሃሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ እቲ መምህር እንታይ ከም ዝበለ ወይ ኣብቲ መምሃሪ መጽሓፍ እንታይ ከም ዘሎ ምድጋም ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ሓድሽ ፍልጠትን ምስትውዓልን ምእንቲ ክምዕብል ሓደ ሰብ ነቲ ተሰሪቱ ዘሎ ነገር ኣብ ሕቶ ከእትዎን ክመያየጠሉን ኣለዎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ሓደ ሰብ ፍልጠቱን ተሞክሮኡን ጐደሎ ክኸውን ከም ዝኽእል ፈሊጡ ክፉት ክኸውን ኣለዎ።

Et nærbilde av et forstørrelsesglass foran en PC-skjerm. Bildet illustrerer at man bør granske kildene sine. Foto
GettyImages

ሎሚ ኣብ ሓደ ናይ ሓበሬታ ሕበረተሰብ ኢና ንነብር ዘሎና። ነዚ ዅሉ ሓበሬታታት ኣብ ርእሱ ክሕዞ ዝኽእል ወላ ሓደ ሰብ የሎን። ስለዚ፡ እቲ ዘድልየና ሓበሬታ ኣበይን ብኸመይን ክንረኽቦ ከም ንኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኢንተርኔት ምጥቃምን ኣብ መጻሕፍቲ ብኸመይ ሓበሬታ ከም ነናድን ክንመሃር ኣለና። ኣብ ኢንተርኔት ዝኾነ ሰብ ሓበሬታ ክጽሕፍ ይኽእል’ዩ፡ ኵሉ ኣብኡ ዘሎ ድማ ቅኑዕ’ዩ ማለት ኣይኰነን። ስለዚ ኢና ኸኣ ነቲ ምንጪ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ክንርእዮ ዘለና።

ምንጪ ነቐፌታ ክብሃል ከሎ ነቲ ዘንበብካዮ ምምርማር ማለት’ዩ። እቲ ኣንባቢ ነቐፌታዊ ሕቶታት ከቕርብ ኣለዎ፡ ንኣብነት ፦

  • ነታ ጽሑፍ ዘዳለወ መን’ዩ፧
  • እቲ ጸሓፊ ፍሉይ ኣጀንዳ ኣሎዎ ድዩ፧
  • ነዛ ጽሑፍ’ዚ በዚ መንገዲ እዚ ብምጽሓፉ ክወቕዖ ዝደለየ ዕላማ እንታይ እዩ፧
  • ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ሓበሬታታት ቅኑዕ ድዩ፧
  • ኵሉ ኣገዳሲ ሓቅታት ቀሪቡ ድዩ ወይ ዘይቀረበ ኣገዳሲ ሓቅታት ኣሎ፧

እንተድኣ ናይ ካልእ ሰብ ጽሑፋት፡ ስእልታት፡ ሙዚቃ ወዘተረፈን ኣብ ናትና ፍርያት ንጥቀም ሃሊና ዋና እቲ ንብረት መን ምዃኑ ኵሉ ግዜ ግዴታ ክንገልጽ ኣሎና።

ስነምግባራዊ ንቕሓት ምህላው ክብሃል ከሎ ዝተፈላለየ ሓሳባት ብምምዝዛን ነቲ ትወስዶ ውሳኔታት ብዝሓሸ መገዲ ክትገብሮን ነቲ ትወስዶ ኣማራጽታት ምግምጋምን ማለት’ዩ። ብኸምዚ ድማ ነቲ ማሕበረሰብ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባትን ንገዛእ ርእስኻን ቅኑዕ ተግባር ኣብ ምፍጻም ዝሓሽካ ትኸውን ማለት’ዩ።

  • ስነምግባራዊ ንቕሓት ንዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ነንሓድሕዱ ምንጽጻር’ዩ። እቲ ሰብ ብነጸብራቓዊ ዓይኒ ዝርእን ሓላፍነት ዝስምዖን ክኸውን ኣለዎ። ስልጠና ኣብ ተመሃሮ ስነምግባራዊ ገምጋም ኣብ ምፍጻምን ንስነምግባራዊ ጕዳያት ብስርዓት ኣብ ምፍላጦም ክእለት ከም ዘማዕብሉ ይገብሮም።
  • ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ስነምግባራዊ ጥንቃቐን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንኽትመሃር ናይ ግድን ኣድላዪ እዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ተመሃሮ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለት ንኸማዕብሉ ኣበርክቶ ዝገብር’ዩ።

ምንጪ ፦ ዳይረክተር ትምህርትን ስልጠናን ኖርወይ

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ነቐፌታዊ ምንጪ እንታይ ማለት’ዩ፧
  • ተመሃሮን ካልኦትን ነቲ ኣብ ኢንተርኔት ዘንብቡዎ ነገራት ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትውዎ ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲ እዩ፧
  • ኣብ ኖርወይ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሃሮ ንዝብሉዎ ነገራት ክካትዑሉን ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ክህልዎምን የተባብዖኦም’የን። ብዛዕባ’ዚ እንታይ ሓሳባት ኣሎካ፧ ስለምንታይ እዩ ከምዚ ዀይኑ፧ ኣብ ኣተዓባብያ ቈልዑን ኣብ መንጎ ቈልዑን ወለድን ኣብ ዘሎ ርክብከ ጽልዋ ኣሎዎዶ፧

ኣርባዕተ ኣባላት ዘሎዉዎ ስድራቤት ሓዳስ መኪና የድልዮም ኣሎ። እታ መኪና ኣብ ሓጺርን ንውሕ ዝበለን ጕዕዞታት ክጥቀሙላ እዮም። ማርቲንን ማሪያን እንታይ ከም ዝመርጹ የተሓሳስቦም ኣሎ።
1. ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ጕዕዞ ክጥቀሙላ ዝኽእሉ ሽዱሽተ ኮፍ መበሊ ዘሎዋ ዓባይ መኪና። እታ መኪና ንዓባየይን ንኣቦሓጎይን ዝኸውን ቦታ ዘሎዋ ኾይና ብናፍታ ትንቀሳቐስ መኪና እያ።
2. ምስ ስድራቤት ንሓጺር ጕዕዞ ትበቅዕ ኣርባዕተ ኮፍ መበሊ ዘሎዋ ብኤለትሪክ ትሰርሕ መኪና፡ እቲ ስድራቤት ነዊሕ ጕዕዞ ክገብር ከሎ እታ መኪና ኤሌትሪክ ክትምላእ ኣለዋ። ንዓባየይን ንኣባሓጎይን ዝኸውን ቦታ ድማ የብላን።

ማርቲንን ማሪያን ብዛዕባ ከባቢ የተሓሳስቦም’ዩ፡ ቀረባ ቤተሰብ ናይ ዓባይን ኣቦሓጎን ድማ እዮም። ማርቲንን ማሪያን ብዛዕባ ኣየኖት ስነምግባራዊ ጕዳያት ዝመያየጡ ዘለዉ ይመስለካ፧

Mann og kvinne sitter med en pc og diskuterer. Foto
GettyImages

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ምንጪ ምጽራይ እንታይ እዩ?

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

እንታይ እዩ ምስ ሕብረተሰብ ኖርወይ ዝሰማማዕ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ኢንተርኔት ክተንብብ ከለኻ እንታይ ኣሎ ክትሓስበሉ ዘለካ፧ ብዙሕ ቅኑዕ መልስታት ኣለዉ።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ሓደ ሰብ ኣብ ኢንተርኔት ዝርኽቦ ሓበሬታ ቅኑዕ ሓበሬታ እዩ።
ኣብ ኖርወይ ኵሉ ሰብ ክሰማማዕ ሓደ ዕላማ እዩ።
ስነ ምግባራዊ ንቕሓት ንዝተፈላለዩ ሓልዮታት ብምምዝዛን ውሳኔታትን ንኽትወስድን ምርጫ ክትገብርን ብዝበለጸ የኽእለካ።
ምጽራይ ምንጪ ምስቲ ሓደ ሰብ ዘንበቦ ዘይምስማማዕ እዩ።
ኣዕሚቕካ ሓሲብካ ምግምጋም ስነምግባራዊ ጥንቃቐን ዝሓሸ ምምዝዛን ንኸተማዕብል የኽእል።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ሓደ ሰብ ኣብ ኢንተርኔት ሓበሬታ ከንብብ ከሎ ንባዕሉ ኣገዳሲ ሕቶታት ክሓትት ይግብኦ።
ቈልዑ ኣብ ቤትትምህርቲ ንርእይቶኦም ክማጐቱ ይመሃሩ እዮም።
ኣብ ብዙሕ መዳያት ኣዕሚቕካ ሓሲብካ ምግምጋም ስነምግባራዊ ጥንቃቐ ምግባርን ንኽትመሃር ቅድመኵነት ኮይኑ ትምህርቲ እዩ እውን።
ኣብ ኢንተርኔት ሓበሬታ ከስፍሩ ዝኽእሉ ስልጣን ዝተወሃቦም ሰባት ጥራይ እዮም።
ሓድሽ ፍልጠትን ምስትውዓልን ንምምዕባል ሓደ ሰብ ነቲ ከም ቅቡል ዝተወሰደ ኣብ ሕቶ ምልክት ከእትዎን ክመያየጠሉን ኣለዎ።