ማሕበር ሰራሕተኛታት
ማሕበር ሰራሕተኛታት
ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን፡ ንመሰሎም ዝሕልዋን ኣገደስቲ ውዕላት ኣብ ምግባር ዝተሓበርኦምን ነናይ ገዛእ ርእሶም ውድባት ኣሎዋኦም። ዳርጋ ሓምሳ ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝተወደቡ እዮም።
ቀንዲ ዕማም ናይተን ማሕበር ሰራሕተኛታት ምስ ኣስራሕቲ ብዛዕባ ደሞዝን ካልእ መሰላትን ምይይጥ ምግባር’ዩ። እዚ መሰላት’ዚ ናይ ስራሕ ሰዓታት፡ ዕረፍትን ኣብ እዋን ስራሕ ስልጠና ናይ ምርካብ መሰል ክኸውን ይኽእል። እቲ ውዕላት ምስ ተዛዘመ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ክስዕቡዎም ናይ ዝግብኦም ውዕል ዝገልጽ ጽሑፍ ይሰፍር። እቶም ወገናት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ እንተ ዘይክኢሎም እቶም ሰራሕተኛታት ኣድማ ናይ ምግባር መሰል ክህልዎም ይኽእል።
ኣብ ስራሕ ጽቡቕ ሃዋህው ምእንቲ ክህሉ እቲ ኣስራሕን እቶም ሰራሕተኛታትን ኣብ ዝተፈላለየ ውዕላት ክተሓባበሩ ኣለዎም። ስለዚ፡ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ናይ ስራሕ ዓለም ብሓባር ምውሳንን ናይ ትካላት ደሞክራስን ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝተመዓራረየ እዩ። ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ስራሕ ኵነታት ኣብ ምትዕርራይ ክሰማማዕን ክፍቀደሉን ኣለዎ። እቶም ሰራሕተኛታት ብመንገዲ እቲ ሕብረቶም ኣቢሎም ኣብ ምይይጥ ይካፈሉ፡ ብዛዕባ’ቲ ትካል ድማ ሓበሬታ ይቕበሉ።
ኩላቶም ኣስራሕቲ፤ ጥዕና፡ ኵነታት ከባብን ውሕስነትን (HMS) ኣብ ቦታ ስራሕ ብግቡእ ክማልኡ ግዱዳት እዮም። እዚ ስራሕ’ዚ ብሓደ ተወካሊ ናይቶም ሰራሕተኛታት ማለት ወካሊ ድሕነት ከምኡ’ውን ብሓደ ወኪል ናይ መራሕቲ ክውደብን ክስዕቦን ኣለዎ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብ ዓድኻ ዘለዋ ማሕበር ሰራሕተኛታት እንታይ ጽልዋ ኣሎወን፧
- ንመሰል ምእዳምን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ክትጥቀመሉ ከም ዝከኣልን ተመያየጡ።
- ብዙሓት ሰባት ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ክዀኑ ዝመርጹ ስለምንታይ ይመስለካ፧
- ዳርጋ ፍርቂ ዝዀኑ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ከይኰኑ ዝመርጹሉ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኖርወይ ክንደይ ሚእታዊት ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ኣባላት ማሕበር ሞያውያን/ውድብ ሞያውያን ኣለዉ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ዕማም ማሕበር ሞያውያን እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ምስ ዘይሰማምዑ ሰራሕተኛታት እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧