ደሞዝን ግብርን
ደሞዝን ግብርን
ደሞዝ
ብዛዕባ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ደሞዝ ክንዛረብ ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ዓመታዊ ደሞዝ ወይ ኣብ ሓደ ሰዓት ዝኽፈል ደሞዝ ኢና ንዛረብ። ኣብ ኖርወይ ገምጋም ዓመታዊ ደሞዝ ቅድሚ ግብሪ ምኽፋል ከባቢ 670,000 እዩ (ኣብ 2023)። ደቂኣንስትዮ ብገምጋም ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝወሓደ ኣታዊ ይረኽባ። ደቂኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ሰዓታት ስለ ዘይሰርሓ፡ ከምኡ ውን ዝተሓተ ደሞዝ ዘሎዎ ሞያ ስለ ዝመርጻ ካብቲ ምኽንያታት ክቐረብ ይኽእል።
ደሞዝ ዋጋ ዕዳጋ ጕዳይ’ዩ። እቲ ዝርርብ ብቐጥታ ኣብ መንጎ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ወይ ከኣ ኣብ መንጎ ተወከልቲ ኣስራሕን ተወከልቲ ናይቶም ሰራሕተኛታትን’ዩ ዝካየድ። ብማሕበር ዝተወደቡ ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክንድኦም ንዓታቶም ወኪሉ ዝመያየጠሎም እቲ ማሕበሮም’ዩ።
ደሞዝካ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ኣብ ዝተወሰነ ዕለት ኣብ ባንክ ናብ ዘሎካ ቍጽሪ ሕሳብ ክኽፈል ልሙድ እዩ። እቲ ሰራሕተኛ ንደሞዝ ይኹን ንዝተቘረጸሉ ግብሪ ዝምልከት ሓበሬታ ዝህብ ሰነድ ደሞዝ’ውን ይቕበል’ዩ።
ምንጪ፡ SSB
ግብሪ
ኣቃውማ ማሕበረሰብ ኖርወይ ምሉእ ብምሉእ ኣብቶም ነበርቲ ዝኸፍሉዎ ዝተፈላለየ ግብሪ ከምኡ’ውን ካልእ ክፍሊታትን ዝምርኰስ‘ዩ። ገለ ካብቲ ዘሎና ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ረብሓታት ብግብርን ካልእ ክፍሊታትን ዝምወል’ዩ። ኩላቶም ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ነቲ ዝነብሩሉ ምምሕዳርን ንመንግስትን ግብሪ ይኸፍሉ እዮም። ኣስራሕቲ’ውን ንመንግስትን ንምምሕዳራትን ግብሪ ይኸፍሉ እዮም።
ኵሉ ሰብ ልዕሊ እታ ዝተሓተ ደረጃ እቶት ዝረክብ ዓመታዊ ግብሪ ክኸፍል ኣለዎ። ኵሉ ሰብ ማዕረ ግብሪ ኣይኰነን ዝኸፍል። እቶም ብዙሕ ኣታዊ ዝረኽቡ ዝያዳ ግብሪ ይኸፍሉ። እቶም ብዙሕ ኣታዊ ዘይረኽቡ ድማ ዝወሓደ ግብሪ ይኸፍሉ። እቲ ኣተሓሳስባ፡ እቶም ብዙሕ ገንዘብ ዘሎዎም ኣብቲ ሓባራዊ ማዕከን ብዙሕ ከበርክቱ ኣለዎም ዝብል’ዩ።
ስራሕ ክትጅምር ከለኻ፡ እቲ ኣስራሒ ክንደይ ዝኣክል ግብሪ ከኽፍሉኻ ምዃኖም ክፈልጥ ኣለዎ። ቤትጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ/Skatteetaten ሃገር ኖርወይ ክንደይ ዝኣክል ግብሪ ክትከፍል ከም ዘለካ ይቕምር። ቤትጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ብዛዕባኻ ቅኑዕ ሓበሬታ ክህልዎ ከም ዘለዎ ምግባር ናትካ ሓላፍነት’ዩ። ብዛዕባኻ ዘሎዎ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤትጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ክትርእዮን ለውጢ ክትገብረሉን ትኽእል ኢኻ። ኣስራሒኻ ነቲ ናይ ግብሪ መኽፈሊ ካርድ ብዲጂታላዊ መንገዲ እዩ ዝረኽቦ።
ሓደ ኣስራሒ ሰራሕተኛ ደሞዝ ቅድሚ ምኽፋሉ ካብቲ ዝኸፍሎ ምሉእ ደሞዝ ግብሪ ቈሪጹ ከትርፎ ይግደድ። እቲ ኣስራሒ ነቲ ቈሪጹ ዘትረፎ ግብሪ ናብ መንግስቲ የመሓላልፎ።
መልእኽቲ ዝተኸፍለ ግብሪ
እቲ ትኸፍሎ ግብሪ ብመሰረት’ቲ ቤትጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ብዛዕባኻ ካብ ዘሎዎ ሓበሬታ ተበጊሱ ዝጽብጸብ’ዩ። ኣብ መጋቢት/ሚያዝያ ነፍስወከፍ ሰብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣታዊኡን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ሓፈሻዊ ጸብጻብ ይቕበል። እዚ ሓፈሻዊ ጸብጻብ እዚ ብዲጂታላዊ መንገዲ ስለ ዝመጽእ ነቲ ኣሃዛት መታን ክትምርምሮ ኣብ www.skattetaten.no ክትኣቱ ኣለካ። ብዙሕ ግብሪ እንተ ኸፊልካ ገንዘብካ ክምለሰካ እዩ። ውሑድ ግብሪ ከፊልካ እንተ ጸኒሕካ ድማ ናይ ክፍሊት ሰነድ ይስደደልካ።
ኢንተርኔት
ናይ ስራሕ ውዕል
ኣብ ሓደ ቦታ ሰራሕ ክሰርሕ ዝተቘጽረ ሰብ ኣይ ስራሕ ውዕል ክህልዎ መሰል ኣሎዎ። እቲ ሰራሕተኛን ኣስራሕን ክልቲኦም ነቲ ናይ ስራሕ ውዕል ይፍርሙሉ። እቲ ናይ ስራሕ ውዕል እንታይ ትሕዝቶ ክህልዎ ከም ዘለዎ ኣብቲ ናይ ስራሕ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ገለ ካብቲ ትሕዝቶ ንምጥቃስ መግለጺ ሓላፍነት ስራሕ፡ ደሞዝን ናይ ስራሕ ሰዓታት ስምምዕን ክጥቀስ ኣለዎ።
ጸሊም ስራሕ
ጸሊም ስራሕ ክበሃል ከሎ ብዘይ ናይ ስራሕ ውዕልን ግብሪ ከይከፈልካ ምስራሕን ማለት’ዩ። እቲ ኣስራሒ ክኸፍሎ ዝግብኦ ግብሪ ይኹን ወጻእታት መድሕን ናይቲ ሰራሕተኛን ኣይከፍልን’ዩ ማለት’ዩ። ጸሊም ስራሕ ምስራሕ ዘይሕጋዊ ኮይኑ፡ ከም ቍጠባዊ ገበን ዝርአ እዩ። ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ብሰንኪ ጸሊም ስራሕ ክቕጽዑ ይኽእሉ እዮም።
ብተወሳኺ ጸሊም ስራሕ ዘይስነምግባራዊ እዩ። ግብሪ ዘይከፍል ሰራሕተኛ ኣብቲ ማሕበረሰብ ኣበርክቶ ኣይገብርን’ዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ብሰንኪ ጸሊም ስራሕ፡ መንግስቲ ብዙሕ ሚልዮናት ክሮነር ኣታዊ ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ ግብሪ፡ ኣስራሒ ክኸፍሎ ዝግብኦ ግብሪ ሰራሕተኛታትን ወጻእታት መድሕንን ይጠፍኦ። እዚ ገንዘብ’ዚ ኣብ ምኽፋል ረብሓታት ሃገራዊ ማሕበራዊ ውሕስነት ክሕግዝ ዝነበሮ ገንዘብ እዩ።
ጸሊም ስራሕ ዘይሕጋውን ዘይስነምግባራውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ልዕል’ቲ ሰራሕተኛ’ውን ዓቢ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል፦
- ኣብ እዋን ሕማም ደሞዝ ኣይክፈሎን
- ኣብ እዋን ዕረፍቲ ዝኽፈል ደሞዝ የብሉን
- ናይ ጡረታ ነጥቢ ኣየዋህልልን
- ሽቕለትኣልቦነት ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ናይ ሽቕለትኣልቦነት ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል የብሉን
- ኣብ ስራሕ ናይ ዘጋጥም ሓደጋ መድሕን የብሉን
- ካብ ባንክ ገንዘብ ክልቃሕ ኣይክእልን
- ናይ ስራሕ ውዕል የብሉን - ናይ መወዳእታ ምስክር ወረቐት ኣይረክብን - ዝተሰነደ ናይ ስራሕ ተሞክሮ የብሉን - ሓድሽ ስራሕ ኣብ ምርካብ ይጽገም
ብሓባር ተዘራረቡ
- ስርዓት ግብሪ ኣብ ዓድኻ ከመይ’ዩ፧
- እቶም ተቐማጦ ግብሪ እንተ ዘይከፍሉ ነይሮም ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ እንታይ ሳዕቤን ምሃለዎ ነይሩ፧
- ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ናይ ስራሕ ስምምዕ ምግባር ኣገዳሲ ዝዀነሉ ስለምንታይ እዩ፧
- ብጸሊም ምስራሕ ኣብ ውልቀሰብ ኰነ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ዝፈጥሮ ሳዕቤናት ተመያየጡ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ጠቕላላ ደሞዝ ማለት እንታይ ማለት'ዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ናይ ደሞዝ ሰነድ ወረቐት እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ጸሊም ስራሕ እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧