ጥዕና

  • ጽቡቕ ጥዕና ምህላው ንዓኻ እንታይ ማለት’ዩ፧
  • ጥዕና ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ሓላፍነት ዘለዎ መን’ዩ፧
  • ጥዕናና ንምሕላው ንሕና ባዕላትና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
  • ካብቲ ኣብ ዓድኻ ትነብረሉ ዝነበርካ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ኖርወይ ካብ ትነብር ጥዕናኻ ንኽትከናኸን ካልእ ነገራት ክትሓስብ የድልየካ ድዩ፧
  • ናብ ሓኪም ክትከይድ ከለኻ እንታይ ትጽበ፧
  • ናብ ሓኪም ምኻድ ኣድላዪ ዝዀነ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ይመስለካ፧

ጽቡቕ ጥዕና ምህላው -- ካብ ሕማም ናጻ ምዃን ጥራይ ድዩ፧

ገለ ሰባት እንተ ዘይሓሚምካ ጽቡቕ ጥዕና ኣሎካ ማለት’ዩ ይብሉ። ገለ ሰባት ድማ ጽቡቕ ጥዕና ምህላው ማለት ጽቡቕ ምህላውን ኣብ ህይወትካ ዕግበት ምህላውን’ዩ ይብሉ። እዚ ኽልቲኡ መግለጺ ጥዕና ቅኑዕ’ዩ። ኣብቲ ከቢድ ሕማምን ድኽነትን ዓቢ ክፋል ህይወት ዝኾነ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ምናልባት እቲ መጀመርያ ትርጕም ልሙድ’ዩ። ኣብቲ ንመብዛሕትኡ ሕማማት መድሃኒት ዘሎዎን ኵሉ ሰብ ድማ ኣድላዪ ሕክምና ናይ ምርካብ ዕድላት ዘሎዎን፡ ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ጥዕና ካብ ኣካላውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ጥዑይ ምዃን ንላዕሊ እዩ ኢሎም’ዮም ዝትርጕምዎ።

ንጥዕናና ሓላፍነት ዘሎዎ መን’ዩ፧

ቅድም ብዙሕ ግዜ ወሃቢ ኣገልግሎት ክፍሊ ጥዕና ሓላፍነት ጥዕና ሕሙማት ከም ዘሎዎ ዝዀነ ጌርካ ይሕሰብ ነይሩ። ካብዚ ቀረባ ዓመታት ንድሕሪት ግን ብዛዕባ ጥዕናና ንሕና ባዕልና ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘሎና ምሕሳብ ልሙድ ኰይኑ’ሎ። መነባብሮና ንጥዕናና ይጸልዎ እዩ። ምኽርን መምርሕን ምሃብ ሓላፍነት ዘሎዎ ኣገልግሎት ጥዕና’ኳ እንተዀነ፡ ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ ግን ናትና ሓላፍነት’ዩ። ብዛዕባ ምክልኻል ሕማምን፡ ምስ ሓመምካ ሕክምና ምርካብን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርኔት፡ ኣብ እንዳ ሓኪም ወይ ኣብ ፋርማሲ ክርከብ ይኽእል።

ኣይጉል፡ ኣፍንጫይ ተዓቢሰ፡ ርእሰይ ድማ የሕመኒ’ሎ።
ሓኪም፡ እወ ሰዓል ሒዙካ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ጐረሮኻኸ የሕመካ ኣሎ ድዩ፧
ኣይጉል፡ ብዙሕ’ኳ እንተ ዘይኰነ ቍሩብ ግን እስዕል’የ።
ሓኪም፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክገድፈካ እዩ። ኣብ መወዳእታ እታ ትቕጽል ሰሙን እንተ ዘይሓሸካ ግን ሓድሽ ቈጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።
ኣይጉል፡ ገለ መድሃኒት ኣይትህበንን ዲኻ፧

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሕሙማት እቲ ሓኪም ሕክምና ምውሳን ስልጣን ዘሎዎ ምዃኑ ኣሚኖም እዮም ዝነብሩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ሕሙም ካብቲ ሓኪም መድሃኒት ከይተዋህቦ ከም ዘይክየድ እዩ እቲ ዝለመድዎ ርድኢት። ኣብ ኖርወይ እቲ ሕሙምን ሓኪምን ብዛዕባ ዝተፈላለየ ተኽእሎታትን ኣማራጽታት ሕክምናን ክመያየጡ ልሙድ’ዩ።

Tips til undervisningen

Snakk sammen

Stikkord til diskusjonen: ha energi og overskudd, ikke være syk, føle velvære, fysisk kontra psykisk helse, bruk av medisiner, kroniske sykdommer, forebygging, livsstil, kosthold, trening, alkoholvaner, tobakk, informasjon, tannhelse, smittevern, økonomiens betydning for valgmulighetene, påkledning, forkjølelse

Snakk sammen om deltakernes forventninger til legebesøk, hva de er vant til fra tidligere og hva de kan forvente i Norge.

Snakk om kunstverket

Maleri. Mor ved sengen til sin syke datter.
Foto: Nasjonalmuseet/Børre Høstland «Det syke barn» malt av Edvard Munch (1885–1886).

Tips til undervisninga

Snakk saman

Stikkord til diskusjonen: ha energi og overskot, ikkje vere sjuk, kjenne velvære, fysisk kontra psykisk helse, medisinbruk, kroniske sjukdomar, førebygging, livsstil, kosthald, trening, alkoholvanar, tobakk, informasjon, tannhelse, smittevern, kva økonomi har å seie for ein person sine valmoglegheiter, påklednad, forkjøling

Snakk saman om kva deltakarane ventar seg av eit legebesøk, kva dei er vane med frå før og kva dei kan vente i Noreg.

Snakk om kunstverket

Maleri. Mor ved sengen til sin syke datter.
Foto: Nasjonalmuseet/Børre Høstland «Det syke barn» malt av Edvard Munch (1885–1886).