ኣገልግሎት ጥዕና

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Det er fint å legge vekt på muligheter for tolk hos legen, og at dette ikke bør være et familiemedlem.

Snakk sammen

Snakk om helsetjenester i deltakernes hjemland og hvordan disse er organisert/finansiert og sammenlikn med Norge.
Snakk om velferdsstaten og skattefinansiering av denne.

Fastlegen vil kjenne den enkelte pasient og dennes helsehistorie bedre enn tilfeldige leger. Det vil kunne skapes en relasjon mellom lege og pasient, noe som kan være viktig for mennesker som trenger hyppig kontakt med lege.

Tips til undervisninga

Det er fint om læraren legg vekt på moglegheita for å bruke tolk hos legen og at tolken ikkje bør vere ein familiemedlem.

Snakk saman

Snakk om helsetenester i heimlanda til deltakarane og korleis dei er organiserte/finansierte, og samanlikn med Noreg.
Snakk om velferdsstaten og korleis han blir finansiert av skattar.

Fastlegen vil kjenne den einskilde pasienten og helsehistoria til pasienten betre enn tilfeldige legar. Såleis kan det skapast ein relasjon mellom legen og pasienten, og det kan vere viktig for menneske som treng å ha kontakt med legen ofte.

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Folkehelse og livsmestring

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

bruke kunnskap om det norske helsevesenet til å få tilgang til ulike helsetjenester

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ኣገልግሎት ጥዕና

En ung sykepleier støtter en eldre mann når han går. Bildet er tatt bakfra, og man kan se at de snakker sammen. Foto
GettyImages

ዕላማ ማሕበራዊ ውሕስነት ዘሎዎ ሕብረተሰብ ኩላቶም ነበርቲ ብዝተኻኣለ መጠን ጽቡቕ ናብራ ከም ዝነብሩ ምግባር’ዩ። እዚ ጽቡቕ ጥዕና ንምህላው’ውን ዝምልከት’ዩ። ኣብ ኖርወይ ዘሎ ስርዓተ ጥዕና መንግስታዊ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ መንግስቲ እቶም ነበርቲ ብሕታዊ ቍጠባኦም ብዘየገድስ ዘድልዮም ሕክምና ንክረኽቡ ሓላፍነት ኣሎዎ ማለት’ዩ። ኣብ ርእስዚ’ውን ዝተፈላለያ ብሕታውያን ኣገልግሎት ጥዕና ዝህባ ትካላት ኣለዋ። እቶም ኣብኣተን ብሕታዊ ሕክምና ኣገልግሎት ዝረኽቡ ሰባት ንወጻእታት ሕክምና ባዕላቶም ይኸፍሉዎ።

ቀዋሚ ሓኪም

En mannlig lege med stetoskop rundt halsen snakker med en kvinnelig pasient. Foto
GettyImages
  • ኩላቶም ነበርቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ከም ቀዋሚ ሓኪሞም ክህልዎም መሰል ኣሎዎም። ንስኻ ወይ ደቅኻ ኣብ ትሓሙሉ እዋን መጀመርያ ምስ ቀዋሚ ሓኪምካ ኢኻ ትዘራረብ።
  • ዘድልየልካ እንተዀይኑ ቀዋሚ ሓኪምካ ናብ ፍሉይ ክኢላ ሓኪም ከመሓላልፈካ ይኽእል።
  • ምስ ሓኪምካ ክትዘራረብ ክትደሊ ከለኻ ደዊልካ ቈጸራ ክትሕዝ ኣለካ። ብዙሕ ግዜ ክፉት ናይ ቈጸራ ቦታ ንምርካብ ሒደት መዓልታት ክትጽበ ግድን’ዩ፡ ከቢድ ሕማም እንተ ተሰሚዑካ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ መዓልቲ’ቲኣ ቈጸራ ግዜ ትረክብ ኢኻ።
  • ቀዋሚ ሓኪምካ መን ክኸውን ከም ትደሊ ባዕልኻ ኢኻ ትመርጽ። በቲ ቀዋሚ ሓኪምካ እንተ ዘይዓጊብካ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ኣብ ዓመት ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ክትቅይር ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ helsenorge.no ቀዋሚ ሓኪም ክትረክብ፡ ክትቅይርን ካልእ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ጥዕናን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኢንተርኔት

ፍሉይ ክኢላ ሓኪም

  • ሓደ ፍሉይ ክኢላ ሓኪም ዝብሃል ንኣብነት ሓኪም ማሕጸን፡ ሓኪም ቆርበት፡ ናይ እዝኒ-ኣፍንጫ-ጐረሮ ሓኪም ወይ ናይ ሕጻናት ፍሉይ ሓኪም ጥራይ ማለት’ዩ።
  • ምስ ሓደ ፍሉይ ክኢላ ሓኪም ቈጸራ ንምርካብ እቲ መምርሒ ቀዋሚ ሓኪምካ እዩ ናብኡ ከመሓላልፈካ ዘለዎ።

ኣብ ሆስፒታል ምድቃስ

  • ኣብ ሆስፒታል ክትዕቈብ ዘድልየካ እንተዀይኑ እቲ ሓኪም’ዩ ዝውስን። ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ምዕቋብ ብዘይ ክፍሊት’ዩ። ኵሉ’ቲ ንሕክምና ንመደቀሲን ምግብን ዝግበር ወጻእታት ብመንግስቲ እዩ ዝሽፈን።
  • ቈልዑ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝዕቈብሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ካብ ወለዲ ኣብ ሆስፒታል ምስኣቶም ክህሉ ኣለዎ።
En kvinne ligger i en sykehusseng. Hun snakker med en sykepleier. I rommet står også andre sykepleiere som jobber med andre ting. Foto
GettyImages

ተመላለስቲ ሕክምና ኣብ ሆስፒታላት

  • ኣብ ሆስፒታል እናተመላለስካ ዝፍጸም ሕክምና ክብሃል ከሎ ኣብቲ ሆስፒታል ትሕከም፡ እንተዀነ ኣብኡ ኣይተዓቘብካን ዘለኻ። በቲ ዝተዋህበካ ቈጸራ መሰረት መጺእካ ሕክምናኻ ጌርካ ምስ ወዳእካ ንገዛኻ ትምለስ።

ቅጽበታዊ ሓገዝ

  • ቤትጽሕፈት ቀዋሚ ሓኪምካ ምስ ተዓጽወ ንስኻ ወይ ኣባላት ስድራቤትካ እንተ ሓሚምኩም ወይ መጕዳእቲ ኣጋጢሙኩም ብቝጽሪ ቴለፎን 116 117 ምስ ህጹጽ ሕክምና (ሌገቫክት) ተራኸቡ።
  • ብኸቢድ ዝሓመም ወይ መጕዳእቲ ዘጋጠሞ ሰብ እሞ ኸኣ ቅጽበታዊ ሓገዝ ዘድልዮ እንተዀይኑ ናብ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ 113 ክትድውል ኣሎካ።
  • ህድእ ኢልካ ተዛረብ በዚ መስርዕ’ዚ ድማ ሓበሬታ ሃብ፡ መን ምዃንካ፧ እንታይ ኣጋጢሙ፧ ኣበይ ኣለኻ/ኺ፧

ኣብያተ መድሃኒት

  • እቲ ዝበዝሕ መድሃኒታት ኣብ ኣብያተመድሃኒት ጥራይ’ዩ ክዕደግ ዝከኣል።
  • ገለ ከም ፍዅስ ዝበለ ጸረቓንዛ ዝኣመሰለ መድሃኒታት ኣብ ድኳናት ወይ ኣብ እንዳ መሸጣት ነዳዲ ክዕደግ ይከኣል’ዩ።
  • እቶም ኣብ ኣብያተመድሃኒት ዝሰርሑ፡ መድሃኒት ኣብ ምምራጽን ኣጠቓቕማኡን መምርሒ ይህቡ እዮም።
  • መብዛሕትኡ ግዜ መድሃኒት ንምዕዳግ ካብ ሓኪምካ ወረቐት የድልየካ። ኣብቲ መግዝኢ መድሃኒት ወረቐት ስም ናይቲ መድሃኒትን ኣጠቓቕማኡን ተጻሒፉ ኣሎ። እቲ ናይ መድሃኒት መግዝኢ ጽሑፍ መብዛሕትኡ ግዜ ኤለትሮኒካዊ፡ ሳሕቲ ኸኣ ኣብ ወረቐት’ዩ። እቲ ብዲጂታል ዝተዳለወ መግዝኢ መድሃኒት ወረቐት ኵላተን ኣብያተመድሃኒት ክርእዮኦ ይኽእላ እየን።
  • ዝተኣዘዘልካ መድሃኒት ንኽትወስድ ኣብቲ ቤትመድሃኒት (ናይ ባንክ ካርድ፡ ፍቓድ መምርሒ መኪና፡ ፓስፖርት ወይ ወረቐት መንነት) ብምቕራብ መንነትካ ክተረጋግጽ ኣለካ።
  • ከቢድን ነባርን ሕማም እንተ’ልዩካ ብሰማያዊ መግዝኢ መድሃኒት ወረቐት (ብሎረሰፕት) መድሃኒት፡ ምግብን ሕክምናዊ ሃለኽቲ ነገራትን ክወሃበካ ይኽእል’ዩ። ኣብዚ ኣዝዩ ውሑድ ብጽሒት ጥራይ ኢኻ ትኸፍል።
Medisiner på apoteket. Foto
GettyImages

ምዕቃብ ምስጢር

  • ኩላቶም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግቡእ ኣሎዎም። እዚ ማለት ከኣ ብድሌት ናትካ እንተ ዘይኮይኑ ብዛዕባኻ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ንኻልኦት ከመሓላልፉ ኣይክእሉን’ዮም። ስለዚ፡ ዘሎካ ጸገማት ብዘይ ስክፍታ ንሓኪምካ ከተዘራርቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ምስ ሓኪምካ ዝተዘራርብካዮ ነገር ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ወላ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካ ክፈልጡዎ እዮም ኢልካ ክትፈርሕ የብልካን።
  • እቲ ሓኪም ኣብ ናይ ሕክምና መዝገብካ ብዛዕባኻ እንታይ ከም ዝጸሓፈ ክትፈልጥ መሰል ኣሎካ።
  • እቲ ዘዘራረብካዮ ሰብ ወላ ስራሕ ይቐይር እቲ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግቡኡ ግን ቀጻሊ እዩ።
  • ምዕቃብ ምስጢር ንተርጐምቲ’ውን ይምልከት’ዩ።
  • ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ፡ እቲ ናቶም ናይ ጥዕና ሓበሬታ ወለዶም ክርእዩዎ ዘፍቁዱሎም ባዕሎም ክውስኑ ይኽእሉ እዮም።

ምኽፋል ብጽሒት

  • እቲ ሕሙም ናይ ተጠቃምነት ብጽሒቱ ይኸፍል፡ እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ ዝተረፈ ወጻኢ ሕክምና ይኸፍሎ።
  • እቲ ሕሙም ወጻእታት ፋሻ፡ ስሪንጋ፡ መድሃኒት፡ መርመራታትን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ባዕሉ ይኸፍሎ። እዚ ኣብ ርእስ’ቲ ተጠቃምነት ብጽሒት ዝኽፈል እዩ።
  • ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ብጽሒት ክፍሊት ኣይከፍሉን’ዮም።
    ኣብ እዋን ጥንሲ ዝግበር ምክትታል ብዘይ ክፍሊት’ዩ።
  • ተጠቃምነት ብጽሒት ኣብ ቀዋሚ ሓኪምካ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነፍስወከፍ ምብጻሕ ዳርጋ 150-300 ክሮነር እዩ።
  • ሕዱር ሕማም እንተ’ልዩካ ነቲ ብሰማያዊ መግዝኢ መድሃኒት ወረቐት ዝሕበር ብጽሒትካ ክትከፍል ኢኻ።
  • ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝተወሰነ ብጽሒት ምስ ከፈልካ ናጻ ካርድ ምርካብ መሰል ኣሎካ። ዝተወሰነ ገንዘብ ናይ ተጠቃምነት ብጽሒት ምስ ከፈልካ ካብ HELFO ናጻ ካርድ ክሰደልካ እዩ ወይ ከኣ ኣብ helsenorge.no ብምእታው ነቲ ኤለትሮኒካዊ ናጻ ካርድ ክትረኽቦ ትኽእል። ናብ ሓኪም ክትከይድ ከለኻ ወይ ብሰማያዊ መድሃኒት መግዝኢ ወረቐት መድሃኒት ክትዕድግ ከለኻ ነዚ ክተርእዮም ኣለካ። በዚ መሰረት ኣብቲ ዝተረፈ ክፋል ናይቲ ዓመት እቲ ናይ ተጠቃምነት ብጽሒት ምኽፋል ኣየድልየካን’ዩ።

ተርጓማይ ምጥቃም

ንስኻን ሓኪምካን ነንሓድሕድኩም ክትረዳድኡ ዘይትኽእሉ እንተዄንኩም ናብ ሓኪም ክትከይድ ከለኻ ተርጓማይ ሒዝካ ክትከይድ መሰል ኣሎካ። እዚ ንዓኻ ብናጻ እዩ።

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ኣብተን ኣቐዲምካ ትፈልጠን ሃገራት ኣገልግሎት ጥዕና ብኸመይ’ዩ ዝሰርሕ፧
  • ንሕሙም ዝግበረሉ ወጻእታት ሕክምና ብናጻ ምስ ዝኸውን እቲ መንግስቲ ነቲ ወጻእታት ይኸፍሎ። እቲ መንግስቲ ነቲ ገንዘብ ካበይ’ዩ ዘምጽኦ፧
  • ቀዋሚ ሓኪም ምህላው እንታይ ብልጫታት ኣሎዎ፧
  • እቲ ንዓኻ ዝቐረበ ህጹጽ ሕክምና (ሌገቫክት) ኣበይ ቦታ እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

መንግስታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ማለት እንታይ ማለት'ዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ሓኪም እንተ ደሊኻ ፈለማ ምስ መን ኢኻ ትራኸብ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ኖርወይ ሓደ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ንኽሕከም ክንደይ ገንዘብ ክኸፍል ኣለዎ፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ክፍሊ ተመላለስቲ ሕክምና ማለት ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረልካ ኣሎ ማለት'ዩ፡ እንተኾነ ኣብቲ ሆስፒታል ኣይኣቶኻን ማለት'ዩ።
ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሕ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግቡእ ኣለዎ።
ኣብ እዋን ጥንሲ ዝግበር ሕክምናዊ ምክትታል ካብ 150 ክሳዕ 300 ክሮነር ክፍሊት ኣሎዎ።
ሓደ ሰብ ከቢድ ሕማም እንተ ሓሚሙ ወይ ከኣ እንተ ተጐዲኡ ብኡንብኡ ሓገዝ ዘድልዮ እንተዀይኑ ቁጽሪ ተለፎን 113 ክትድውል ኣለካ።
ሓደ ቀዋሚ ሓኪም ንኣብነት ሓኪም ማህጸን ሓኪም ቆርበት ወይ ሓኪም እዝኒ-ኣፍንጫ- ጐሮሮ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ተርጐምቲ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግቡእ ኣለዎም።
ሓደ ቈልዓ ኣብ ሆስፒታል እንተ ኣትዩ ሓደ ካብቶም ወለዲ ምስቲ ቈልዓ ኣብ ሆስፒታል ክጸንሕ ልሙድ'ዩ።
ኣብ ኖርወይ ኣገልግሎት ብሕታዊ ጥዕና የሎን።
ፈኰስቲ ጸረ ቃንዛ መድሃኒት ኣብ ፋርማስታት ጥራይ'ዩ ክዕደግ ዝከኣል።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ነቲ ክትከፍሎ ዘለካ ብጽሒትካ ምስ ከፈልካ ናጻ ካርድ ክትረክብ መሰል ኣሎካ።