ማሕበራዊ መድረኻት

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Snakk sammen

Dette handler igjen om tilhørighet til lokalsamfunnet, knytting av kontakter, nettverksbygging, osv. Det kan også handle om utenforskap. Snakk gjerne om konsekvensene for et barn dersom alle kameratene er med på en fritidsaktivitet, mens en selv ikke får være med fordi foreldrene ikke ser viktigheten av det. Det er selvsagt noe helt annet om barnet selv ikke ønsker å være med på aktiviteten.

Læreren bør på forhånd ha skaffet seg en viss oversikt over tilbud og muligheter både for barn og voksne der deltakerne bor. Hva finnes av frivillige organisasjoner, idrettsforeninger osv.

Når det gjelder ulikheter i uskrevne regler, er læreren ofte den beste kilde til å finne eksempler på dette. Lærere som kjenner både deltakernes kultur og bakgrunn og den norske kulturen, vil kunne finne mange eksempler fra dagliglivet.
Eksempler: ta av skoene når man går inn i et hus, spise opp all maten på tallerkenen eller ikke, høflighetsfraser når man møtes, å komme presis til avtaler eller ikke, hilse på fremmede, samtaletemaer, sittemønster på tog og buss og lignende.

Tips til undervisninga

Snakk saman

Dette handlar igjen om å høyre til i lokalsamfunnet, knyte kontaktar, byggje nettverk, osv. Det kan òg handle om utanforskap. Snakk gjerne om kva konsekvensar det kan ha for eit barn om alle kameratane er med på ein aktivitet på fritida, medan ein sjølv ikkje får vere med fordi foreldra ikkje tykkjer det er så viktig. Det er sjølvsagt noko heilt anna om barnet sjølv ikkje har lyst til å vere med på aktiviteten.

Læraren bør på førehand ha skaffa seg ei viss oversikt over tilbod og moglegheiter både for barn og vaksne i området der deltakarane bur – kva som finst av frivillige organisasjonar, idrettsforeiningar osv.

Når det gjeld ulikskapar i uskrivne reglar, er læraren ofte den beste kjelda til døme. Lærarar som kjenner både deltakarane sin kultur og bakgrunn og den norske kulturen, kan finne mange døme frå dagleglivet.
Døme: Om ein tek av seg skoa eller ikkje når ein går inn i eit hus, et opp all maten på tallerken eller ikkje, kva høviske fraser som blir utveksla når ein møtest, å kome presis til avtalar eller ikkje, helse på framande, samtaletema, sitjemønster på tog og buss og liknande.

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Folkehelse og livsmestring

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

bruke kunnskap om omgangsformer i det norske samfunnet og om hvordan man kan delta aktivt på sosiale, frivillige og politiske arenaer

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ማሕበራዊ መድረኻት

Fem voksne mennesker sitter på café. De har hver sin bok åpen foran seg. De smiler og ler, og snakker om boka de har lest. De har bokklubb.
GettyImages

ማሕበራዊ መድረኻት ሰባት ብሓባር ዝራኸቡሉ ቦታታት እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ህይወቶም ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መድረኻት ኣሎዎም። ስድራቤታቶም ማለት እቶም ናይ ቀረባ ስድራቤቶምን ቤተሰቦምን/ኣዝማዶምን ማሕበራዊ መድረኻት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብያተ ትምህርትን ናይ ስራሕ ቦታታትን ንብዙሓት ሰባት ኣገዳሲ ማሕበራዊ መድረኻት’ዮም። ብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ምስ ኣዕሩኽቶም ይራኸቡ እዮም። ምናልባት ኣብ እንዳ ሻሂ ወይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ይራኸቡ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ሓድሕዶም ገዛ ይራኸቡ ይዀኑ። ብዙሓት ዓበይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኮርሳት ወይ ትምህርቲ ምቕጻል ኣብ ነጻ ግዜኦም ይሳተፉ እዮም። ገለ ካብኣቶም ኣብ ማሕበር መዘምራን ይዝምሩ ወይ መሳርሒ ሙዚቃ ይጻወቱ ገለ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ይሳትፉ እዮም። እዚ’ውን ማሕበራዊ መድረኻት’ዩ።

ዝተወደበ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፍታት

En mann og tre jenter står med hver sin fotball på en fotballbane. Mannen gir instruksjoner. Han er faren til en av jentene og treneren til jentelaget. Foto
GettyImages

ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ዝተፈላለየ ዝተወደበ ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈታት ይሳተፉ እዮም።
ምናልባት ኣብ ሓንቲ ናይ ስፖርት ጋንታ ወይ ኣብ ባንድ ይጻወቱ ይዀኑ። ገለ ካብኣቶም ስካውት ክዀኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ ኣባላት ናይ ስእሊ ጕጅለ ይኾኑ። ኣብ መብዛሕትኡ እዚ ንጥፈታት’ዚ ወለዲ ይሳተፉ እዮም። ምናልባት ሓንቲ ኣደ ኣሰልጣኒት ጋንታ ኵዕሶ ኢድ ትኸውን፧ ምናልባት እቶም ወለዲ በብተራ ብመኪና ንደቆም ናብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት የመላልሱዎም ይዀኑ፧ ንሓደ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዝኾነ ወይ ናብ ሓድሽ ቦታ ዝገዓዘ ሰብ፡ ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ንኽፋለጥ እዚ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ብወለንታ ዝፍጸም ስራሕ

ብወለንታ ዝፍጸም ስራሕ ሓደ ሰብ ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ከም ሰራሕተኛ ክይተቘጸረ ብድሌቱ ዝገብሮ ስራሕ’ዩ። ነቲ ስራሕ ዝኽፈሎ ደሞዝ የሎን። ብወለንታ ዝፍጸም ስራሕ በብግዜኡ ንሓጺር ግዜ ዝግበር ስራሕ’ዩ፡ ወላ ሓደ ሰብ ምሉእ ግዜኡ ወለንተኛ ዀይኑ ኣይሰርሕን’ዩ! ብወለንታ ዝግበር ስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ሕብረተሰባዊ ጥቕሚ ዕላማ ምስ ዘሎወን ውድባት ዝተኣሳሰረ እዩ። ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ውድባት ንኣብነት ቀይሕ መስቀል፡ ስፖርት ጋንታታት፡ ባህላዊ ምድላዋትን ወዘተ ዝኣመሰላ እየን።

ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ብዙሓት ብወለንታ ኣብ ዘገልግላ ውድባት ይሳተፉ እዮም። ኣብዚ፡ ሓድሽ ነገራት ክትመሃርን፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ክተጥርን ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትአን እዘን ማሕበራት እዚኣተን ከም ስልጠና ደሞክራሲ ዝህባ ኰይነን የገልግላ። እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ናይ ደሞክራሲ ስርዓታት፡ ከም ምስታፍ ኣኼባ፡ ምርጫን ድምጺ ምሃብን ዝኣመሰሉ ነገራት ተሞክሮ ይረኽቡ። ብርክት ዝበላ ወለንታዊ ማሕበራት ኣብ ክልቲኡ ማለት፡ ኣብ ከባብያውን ሃገራውን ፖለቲካዊ መስርሕ ከይተረፈ ጽልዋ የሕድራ እየን።
ኣብ ሓንቲ ወይ ኣብ ብዙሓት ማሕበራት ብምስታፍ ምስቶም ኣብቲ ትነብረሉ ዘለኻ ከባቢ ዘለዉ ሰባት ክትላለን ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሕበረተሰብ ዝነብሩ ዘለዉ ኴንካ ክስምዓካን ይኽእል። ኣብ ስራሕ፡ ትምህርትን መዓልታዊ ህይወትን ድማ ገለ እወታዊ ጽልዋ ክፈጥረልካ ዝኽእል ዓቢ መርበብ ርክብ ይህልወካ።

En kvinne er i skogen. Hun har med seg en stor plastpose som hun kaster søppel i. Hun bøyer sge ned for å plukke opp en flaske hun kan kaste. Hun jobber frivillig med å plukke søppel. Foto
GettyImages

ብሓባር ምዃን

ኣብ ኵሉ ሕብረተሰባት ብዙሕ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሕግታትን መምርሕታትን ኣሎ። ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ ግን ከኣ ዘይተጻሕፈ ብዙሕ ሕግታት’ውን ኣሎ። እዚ ሕግታት’ዚ ካብ ባህሊ ናብ ባህሊ ይፈላለ እዩ። ሓደ ኣብነት ነንሓድሕድና ብከመይ መንገዲ ሰላም ንብህሃል እዩ። ኣብ ኖርወይ ንደቂ’ንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኢድካ ሰዲድካ ሰላም ምባል ልሙድ’ዩ። ክትፈላለ ከለኻ’ውን ኣእዳውካ ሰዲድካ ሰላም ምብህሃል ልሙድ’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣዕሩኽ ነንሓድሕዶም ብቓል “ሰላም" ክብሃሃሉ፡ ወይ ብምሕቃፍ ወይ ኣብ መንኵብ ብምጓናጽ ሰላም ይብሃሃሉ እዮም። እቲ ልሙድ ናይ መኽፈቲ ሰላምታ “ሰላም፡ ከመይ ኣለኻ፧” ዝብል ኮይኑ እቲ ልሙድ መልሲ ድማ “የቐንየለይ፡ ጽቡቕ ኣለኹ። ብኣኻ ወገን ከ፧”

Farget mann og hvit kvinne snakker sammen. Foto
GettyImages

እቲ ወጻእተኛ፡ ሓደ መዓልቲ ክትበጽሓኒ ክትመጽእ ትደሊዶ፧
እቲ ኖርወጃዊ፡ እወ፡ እዚ ጽቡቕ እምበሪ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡
እቲ ስደተኛ፡ ስለምንታይ ደኣ ክትበጽሓኒ ዘይመጻእካ፧
እቲ ኖርወጃዊ፡ ኣይዓደምካንን’ኮ።

እንታይ ኣጋጢሙ፧ ኣብ ኖርወይ ሓደ ሰብ ኣብ ዝተፈልየ መዓልትን ግዜን ክዕድም ኣለዎ። ኖርወጃውያን ኣቐዲሞም ኣብ ስምምዕ ከይበጽሑ ሳሕቲ እዮም ነዕሩኽቶም ዝበጽሑዎም።

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ወለዲ ንደቆም ኣብ ምዱብ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ንኽሳተፉ ባይታ ከጣጥሕሎም ኣገዳሲ ድዩ፧ ስለምንታይ ወይ ስለምንታይ ኣየድልን፧
  • ገለ ካብ ኣብ ትነበረሉ ከባቢ ዘለዋ ወለንታውያን ማሕበራት ትፈልጥዶ፧
  • “ኖርወይ ብዘይ ወለንታውነት ኣይምተንቀሳቐስትን" ዝብል ኣበሃህላ ተመያየጡሉ።
  • ወለንታዊ ስራሕ ምግባር እንታይ እወታዊ ጐድንታት ኣሎዎ፧
  • ኣቐዲምካ ናይ ትፈልጦም ዘይተጻሓፉ ሕግታት ኣብነታት ርኸብ።
  • ኣብ ኖርወይ ናይ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ኣብነታት ርኸብ።
  • ኣብ ዝተፈላለየ ባህልታት ኣጋይሽ ብኸመይ ከም ንርእዮም ዝተፈላለየ እዩ፡ ምሕዳሩ ዝመጽእ ጋሻ፡ ኣብ ተቐባል ጋሻ ዘሎ ትጽቢት፡ እቲ ጋሻ
    ንኽንደይ እዋን ከም ዝጸንሕ ወዘተ ኣብ ዝብል ኣርኣእያ ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ፍልልያት እዚ ተመያየጡ።
GettyImages
GettyImages

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ማሕበራዊ መድረኻት እንታይ እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ብወፈራ ዝፍጸም ስራሕ እንታይ እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ኖርወይ ንመጀመርያ ግዜ ትረኽቦ ሰብ ሰላም ትብሎ ልሙድ ኣገባብ ኣየናይ እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ብወለንታ ምስራሕ እንታይ ረብሓ ኣሎዎ፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ዝተወደበ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ንጥፈታት ይሳተፉ እዮም።
20 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኖርወይ ምሉእ ስራሕ እናሰርሑ ከለዉ ብወለንታ ይሰርሑ።
ኣብ ስካንዲናቭያ ብወለንታ ዝሰርሑ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም ።
ዘይተጻሕፈ ሕጊ፡ ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ ግን ከኣ ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ሕጊ እዩ።
ኖርወጃውያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲሞም ቈጸራ ከይሓዙ ንኣዕሩኾም ይበጽሑዎም።