ዘላቒ/ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለ
ነዛ ፊልም ርኣያ
ዘላቒ/ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለ
ው.ሕ.ሃ. ዘውጽኦ ዘላቒ ናይ ዕቤት መደብ ንምሉእ ዓለም ዘገልግል ዘላቒ መደብ ምዕባለ እዩ። እዚ መደብ’ዚ ኩላትና ብሓባር ድኽነት ንምጥፋእ፡ ንዝተፈላለየ ዓይነት ዘይምዕሩይነት ንምቅላስን ኣብ ውሽጢ 2030 ለውጢ ኵነታት ኣየር ደው ንምባል ዝዓለመ እዩ።
ለውጢ ኵነታት ክሊማ
ኵነታት ኣየርን ክሊማን ሓደ ኣይኰነን። በብመዓልቱ ብመስኮት ንርእዮ ወይ መዓልታዊ ደገ ወጺእና ክንከይድ ከለና ንርእዮ ኵነታት ኣየር ክኸውን ከሎ፡ ክሊማ ግና ገምጋም ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዝዕቀን ኵነታት ኣየር’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ኣብዛ መሬት ዓቢ ለውጢ ክሊማ ተራእዩ እዩ። ኣብ ዓለም ዘለዉ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ክሊማ ጠንቂ ናይዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ዓበይቲ ለውጥታት እቲ ካብ ደቂ ሰብ ዝፍኖ ካርቦን ጋዛት ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ።
ገለ ካብቲ ዘጋጥመና ዘሎ ለውጥታት እንሆ ፦
- ሙቐት ዓለም ይውስኽ ኣሎ።
- ባሕሪ እንዳለዓለ ይኸይድን ዝያዳ ኣሲዳዊ ይኸውን ኣሎ።
- በረድ ይመክኽ ኣሎ።
- ዝተፈላለየ ዝናብን ኩቱር/ሕማቕ ኵነታት ኣየር ከኣ ይኸውን ኣሎ።
ከምብሓድሽ ክሕደስ ዝኽእል ጸጋታት
ተሓደስቲ ጸጋታት ነቶም ብገዛእ ርእሶም ዝሕደሱ ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት ዝገልጽ ስያመ እዩ። ደቂሰባት ነዚ ሃብቲ እዚ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም፡ ብቅኑዕ ኣገባብ ኣብ ዝምዝመዙሉ እዋን ከኣ ሃሊኾም ኣይውድኡን እዮም ።
ኣብነታት ተሓደስቲ ጸጋታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
- እንስሳታት፡ ኣእዋምን ኣትክልትን
- ዝናብ፡ ንፋስን ማይን
- ጩራ ጸሓይ
ኣብነታት ዘይሕደሰሉ ጸጋታት
- ነዳዲ
- ጋዝ
- ፈሓም
ኣብ ቀረባ (ከባቢኻ) ዝፈሪ ምግቢ
ሓጺር መንገዲ ዝጐዓዝ ምግቢ ኣብ ጥቓ እቲ ተጠቃማይ ዝፈሪ እዩ። ኣብ ከባቢና ምግቢ ክፈሪ ኸሎ ውሑድ መጐዓዝያ እዩ ዘድልየና፡ በዚ ኸኣ ብዙሕ ካብ ዝፍኖ ጋዛት ንቝጥብ ኣለና ማለት’ዩ። እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፈሪ ምግቢ ብኸመይ ክንክን ይዓቢ ንምቍጽጻር ድማ ዝቐለለ ይዀነልና። እዚ ብዛዕባ ፈውሲ ባልዕ፡ ተጠቃምነት ጸረነብሳት ኣብ ኢንዱስትሪ ኣብ ስጋን ዓሳን ኣተሓሕዛ እንስሳታትን ዘጠቓልል’ዩ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ብዛዕባ ለውጢ ኵነታት ኣየር ተዘራረቡ። ኣብ ዓድኻ ዘሎ ተሞክሮ እንታይ እዩ። ኣብ ኖርወይከ እንታይ ተሞክሮ ኣሎካ፧
- ብዛዕባ ተሓደስቲ ጸጋታት ተዘራረቡ። ሰባት ነዚ ጸጋታት ተፈጥሮ’ዚ ባዕሉ ክሕድስ ካብ ዘድልዮ ግዜ ንላዕሊ ብዝለዓለ ቅልጣፈ ክጥቀሙሉ ከለዉ እንታይ የጋጥም፧
- ብዛዕባ ጥቕምን ጕድኣትን ኣብ ቀረባ ዝፈሪ ምግቢ ተዘራረቡ።
- ሓንቲ ሃገር ብምግቢ ርእሳ ክትክእል ኣገዳሲ ድዩ፧ ስለምንታይ ወይ ስለምንታይ ኣይኮነን፧
- ብዛዕባ እቲ ናይ ው.ሕ.ሃ. ዘላቒ ሸቶታት ምዕባለ ተዘራረቡ። ገሊኡ ካብ ካልኦት ብዝያዳ ኣገዳሲዶ ይመስለካ፧ ዓለም ብምልእታ ኣብዚ ውጥን’ዚ ተሰማሚዓ ድያ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ክሊማ እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ዝበዝሑ ተመራመርቲ ክሊማ፡ ጠንቂ ናይ'ቲ ኣብ ክሊማ ንርእዮ ዘለና ቅልጡፍ ከምኡ'ውን ዓቢ ለውጥታት እንታይ'ዩ ኢሎም ይኣምኑ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ዝሕደሱ ጸጋታት ዝብሃሉ እንታይ እዮም፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ኣብ ቅኑዕ ስእሊ ጠውቕ
ኣየናይ ስእሊ እዩ ክሕደስ ዘይክል ጸጋ ዘርኢ፧