ኖርወይ ካብ 1814 ክሳዕ 1905 ዓ.ም
ኖርወይ ካብ 1814 ክሳዕ 1905 ዓ.ም
ምብታን ሕብረትን ሓድሽ ሕብረትን
ኣብ ፈለማ ዓመተ 1800 ኣብ ኤውሮጳ ሓያሎ ውግኣት ይካየድ ነይሩ፡ ገለ ካብኡ ብሓደ ሸነኽ ዓዲእንግሊዝ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ፈረንሳ ዝነበሮኦ ዓቢ ውግእ ተኻዪዱ። እዚ ግርጭት’ዚ ናይ ናፖሊዮን ውግኣት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዴንማርክ-ኖርወይ ኣብ ጐድኒ ፈረንሳ እየን ነይረን፡ ፈረንሳ ኣብቲ ውግእ ምስ ተሳዕረት እቲ ናይ ዴንማርክ ንጉስ ንኖርወይ ናብታ ኣብ ጐድኒ ዓዲእንግሊዝ ዝነበረት ሽወደን ኣሕሊፉ ክህባ ነይሩዎ።
ስለዚ፡ ኣብ 1814 ዓ.ም እቲ ኣብ መንጎ ዴንማርክን ኖርወይን ዝነበረ ሕብረት ፈሪሱ። ብዙሓት ኖርወጃውያን ኖርወይ ናጻ ሃገር ክትከውን ተስፋ ገይሮም ነይሮም፡ 112 ሓያላት ሰብኡት ኣብ ኣይድስቮል ተኣኪቦም። ገለ ካብቲ ክገብሩዎ ዝመደቡ ነጻ ዝኾነት ኖርወይ ዘገልግል ቅዋም ምጽሓፍ ነይሩ። ኣብ 17 ግንቦት ኣብታ ዓመት እቲኣ ድማ ኖርወይ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋም ረኺባ። ስለዚ፡ ኣብ 1814 ዓ.ም ኣብ ታሪኽ ኖርወይ ኣገዳሲት ዓመት’ያ።
ይኹን’ምበር ኖርወይ ምስ ሽወደን ክትሓብር ተገዲዳ፡ ኣብ ሕዳር 1814 ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ሽወደንን ኖርወይን ዝነበረ ሕብረት ኮይኑ። እቲ ምስ ሽወደን ዝነበረ ሕብረት ካብቲ ቅድሚኡ ምስ ዴንማርክ ዝነበረ ሕብረት ዝፈዀሰ እዩ ነይሩ። ኖርወይ ነቲ ቅዋም ዝተወሰነ ምቅይያር ብምግባር ክትጥቀመሉን ውሽጣዊ ርእሰምምሕዳር ክህልዋን ተፈቒዱላ። ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ (ስቱርቲንግ) ድማ ኣብ 1814 ዓ.ም ተመስሪቱ።
ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ካብ ሽወደን’ዩ ዝካየድ ነይሩ፡ ንጉስ ናይ’ዘን ክልተ ሃገራት ከኣ ሽወደናዊ እዩ ነይሩ። ስሙ ካርል ዮሃን ይብሃል፡ እቲ ኣብ ኦስሎ ዝርከብ ቀንዲ ጐደና ኸኣ ብስም’ዚ ንጉስ እዚ ዝተሰመየ እዩ።
ሃገራዊ ፍቕርን ኖርወጃዊ መንነትን
ኣብ መፋርቕ ዓመተ 1800 ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ኣንፈት ስነጥበብን ባህልን ተቐልቂሉ። እዚ ድማ ሃገራዊ ስምዒት ይብሃል። ሃገራዊ ባህርያት ኣተኩሮ ምግባር ነዚ ባህርያት’ዚ ካብቲ ዘሎ ባህርያቱ ዝሓሸ ጌርካ ምቕራብ ኣገዳሲ ኰይኑ። ኖርወይ ድማ ብፍላይ በቲ ባህ ዘብል ተፈጥሮኣ ጐሊሑ ቀሪቡ፡ እቲ ሓረስታይ ማሕበረሰብ ድማ ከም “ኣብነታዊ ኖርወጃዊ” ጌርካ እዩ ዝርአ ነይሩ። ሃገራዊ ፍቕሪ ብስነጽሑፍ፡ ቅብኣን ሙዚቃን ጌርካ ይግለጽ ነይሩ።
ብዙሓት ሰባት ኖርወጃውያን ብምዃኖም ሓበኖም ክዓቢ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ከኣ ኖርወይ ሓንቲ ናጻ ሃገር ክትከውን ይድልዩ ነይሮም።
ድሕሪ ንኣማኢት ዓመታት ምስ ዴንማርክ ምሕባር እቲ ናይ ጽሑፍ ቋንቋ ኣብ ኖርወይ ቋንቋ ዴንማርክ/ዳንስክ እዩ ነይሩ። እዚ ሕጂ ብቡክሞል ንፈልጦ ናይ ጽሑፍ ቋንቋ ካብ ቋንቋ ዴንማርክ ናብ ቋንቋ ኖርወይ ዝተቐየረ እዩ። ኣብ እዋን ሃገራዊ ፍቕሪ ብዙሓት ኖርወጃውያን ካብ ቋንቋ ዴንማርክ ዘይመጽአ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ጽሑፍ ቋንቋ ክህልወና ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም። ስለዚ፡ እቲ ኢቫር ኦሰን ዝበሃል ክኢላ ስነ-ቋንቋ ካብ ዝተፈላለየ ላህጃታት ናይ ቋንቋ ኣብነታት ንምእካብ ኣብ ኖርወይ ተጓዒዙ። ካብዚ ኣብነታት’ዚ ኸኣ ኒኖሽክ ዝብሃል ሓድሽ ናይ ጽሑፍ ቋንቋ ፈጢሩ። ኒኖሽክን ቡክሞልን ካብ መበል 19 ዘመን ኣትሒዞም ብዙሕ’ኳ እንተ ማዕበሉ ክልቲኦም ግን ወግዓዊ ቋንቋታት’ዮም። ብተወሳኺ ሳሚስክ ኣብ ኖርወይ ወግዓዊ ቋንቋ እዩ።
ካብ ማሕረስ ናብ ኢንዱስትሪ
ቅድም ኖርወይ ናይ ገባሮ/ሓረስቶት ሕብረተሰብ ‘ያ ነይራ። ኣብ መፋርቕ መበል 19 ዘመን ዳርጋ ሰብዓ ሚእታዊት ህዝቢ ኖርወይ ኣብ ገጠራት’ዩ ዝነብር ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን’ዩ ዝነጥፍ ነይሩ። እቲ ህይወት ንብዙሓት ከቢድ’ዩ ነይሩ። ብዝሒ እቲ ህዝቢ ስለ ዝወሰኸ ንዅሉ ሰብ ዝኸውን እኹል መሬትን ስራሕን ድማ ኣይነበረን። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብተን ከተማታት ለውጢ መጺኡ። ኣብዚ ፋብሪካታት ክትከል ጀሚሩ፡ ብዙሓት ከኣ ስራሕ ንምርካብ ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት ግዒዞም። ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ስድራቤታት ኣብ ከተማ ምንባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ። እቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ነዊሕ፡ እቲ ኵነታት መነባብሮ ድማ ሕማቕ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ እተን ስድራቤታት ብዙሓት ቈልዑ እዮም ነይሮመን። ሓያሎ ስድራቤታት ከኣ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኣፓርተማ ብሓባር ክነብሩ ድማ ዘይልሙድ ኣይነበረን። ብዙሓት ቈልዑ’ውን መታን እቶም ስድራቤታቶም ነቲ መነባብሮ ክኽእሉዎ ኣብ ፋብሪካታት ይሰርሑ ነይሮም።
ቅድሚ ዓመተ 1850 ዳርጋ 15 ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይነብር ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ዓመተ 1800 ግን ሰላሳን ሓሙሽተን ሚእታዊት ኣብ ከተማታት ይነብር ነይሩ። ኣብ 1900 ዕስራን ሰለስተን ሚእታዊት ካብቲ ኵሉ ሞያዊ ንጥፈት ዝነበሮ ሰብ ኣብ ኢንዱስትሪ ይሰርሕ ነይሩ። ኣብ መንጎ 1850 - 1920 ዓ.ም ኣስታት 800,000 ዝዀኑ ኖርወጃውያን ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዶም።
ሓንቲ ናጻን ነብሳ ዝኽኣለተን ሃገር
ምስቲ ኣብ ሽወደን ዝነበረ ንጉስ ፖለቲካዊ ዘይምስምማዕ ምስ ተላዕለ ሃገራዊ ባይቶ (ስቱርቲንግ) ኣብ 7 ሰነ 1905 ዓ.ም ንጉስ ሽወደን ንጉስ ኖርወይ ከም ዘይኰነን እቲ ምስ ሽወደን ዝነበረ ሕብረት ከም ዝፈረሰን ኣዊጁ። ካብ ሽወደን ዝመጽአ ግብረመልሲ ኣዝዩ ብርቱዕን ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኖርወይን ሽወደንን ዳርጋ ውግእ ተባሪዑ ነይሩ። በቲ ኣብታ ዓመት’ቲኣ ዝተገበረ ክልተ ምርጫ ኣቢሉ እቲ ምስ ሽወደን ዝነበረ ሕብረት ከም ዝፈረሰ፡ እታ ሓዳስ ሃገር ኖርወይ ድማ ንጉሳዊ ምምሕዳር ክህልዋ ተወሲኑ።
እቲ ንጉስ ሽወደን ነዚ ውጽኢት ናይ ህዝቢ ምርጫ ተቐቢሉዎ። ወዲ ንጉስ ዴንማርክ ካርል ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ንጉስ ኰይኑ ተመሪጹ። ነቲ ሆኮን ዝብል ናይ ኖርወይ ንጉሳዊ ስም ድማ ወሲዱ። ንጉስ ሆኮን 7ይ ካብ 1905 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳዕ ኣብ 1957 ዓ.ም ዝመውት ንጉስ ኖርወይ ነይሩ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብ ኖርወይ 17 ግንቦት ስለምንታይ ኢና ነብዕሎ፧
- ሃገራዊ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ መገዲ እዩ ዝብዓል። ኣብተን ንስኻ ትፈልጠን ሃገራት ሃገራዊ መዓልቲ ብኸመይ መንገዲ ይበዓል፧ ምስዚ ኣብ ኖርወይ ነብዕለሉ መንገዲ እቲ ዝመሳሰልን ዘይመሳሰልን እንታይ እዩ፧
- ኣብ መበል 19 ዘመን ኣብ ብዙሓት ኖርወጃውያን እቲ ሃገራዊ ስምዒት ሓያል ነይሩ። ሃገራዊ ስምዒት ዝብሃል እንታይ እዩ ብኸመይከ ይጥረ፧
- ሓያል ሃገራዊ ስምዒት እንታይ ኣሉታውነት ኣሎዎ፡ ነዚ ብእወታ ከጠምቶ ዝኽእልከ እንታይ እዩ፧
- እቲ ኣብ መንጎ ኖርወይን ሽወደንን ዝነበረ ሕብረት ኣብዚ ሎሚ ግዜ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ጽልዋ ዘሎዎ ይመስለካዶ፧
- ሕጂ ገለ ክፋል ታሪኽ ኖርወይ ካብ 1814 ክሳዕ 1905 ዓ.ም ተማሂርካ ኣለኻ። ገለ ካብዚ ዝተመሃርካዮ ነገራት ብፍሉይ ኣብዛ ዘመናዊት ኖርወይ ኣገዳሲ ነይሩ ኢልካ ትኣምነሉ ነገር ኣሎዶ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኖርወይ መዓስ'ያ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋም ዘጽደቐት፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኖርወይ ምስ ሽወደን ብሕብረት ዝነበረትሉ መዓስ ነይሩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኢቫር ኦሰን ንኒኖሽክ ብኸመይ ፈጢሩዎ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ኣብቲ ስእሊ ጠውቕ
ኣብቲ ቅኑዕ እዋን ናይ ግዜ ፍጻሜ ጠውቕ። ሆኮን 7ይ መዓስ'ዩ ኣብ ኖርወይ ንጉስ ዝነበረ፧